1568 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕረታ ክፍትሑ ተወሲኑ

ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1568 ተሃነፅቲ ሕጊ ድሕንነቶም ንምሕላው ብይቕረታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ከምዝበልዎ፣ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ዕድል ይቕረታ ንክወሃቦም 1704 ተሃነፅቲ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ክሪኦም ዝቐረቡ ኮይኖም ካብዚኣቶም 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1568 ተሃነፅቲ ዕድል ይቕረታ ክረኽቡ ተወሲኑ ኣሎ።ካብቶም ዝቐረቡ ይፅንሑ ዝተብሃሉ ድማ 4 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 136 ተሃነፅቲ እንትኾኑ እዚኣቶም ምስ ቅትለት፣ኣገዲድካ ምድፋርን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ዝተኣሳሰረ ገበን ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣይተ ተኪኡ ኣረዲኦም።

ኣብ መወዳእታ ተሃነፅቲ ነቲ ዘለናሉ እዋን መኸተ ምዃኑ ተረዲኦም ንዝበደልዎ ማሕበረሰብ ክኽሕሱ እንተለው ንዘላቒ ሰላም ትግራይ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ገበን ስግኣት ገበንን ንምድራቕ ብፅሒቶም ክፃወቱ ይግባእ ብምባል ንተሃነፅትን ቤተሰብን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተሃናፃይ ብይቕረታ ክወፁ ከምዝገበረ ይዝከር።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
08 ነሓሰ 2021ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons