ሰሙናዊ መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

“መኸተ መረፃ ብምዕዋት ቃል ኩሎም ስውኣትና ዳግም ትንሳኤኦም ክነበስሮ ኢና”!!
ህዝብን መንግስቲ ትግራይን፣ ዝኽሪ 8ይ ዓመት፣ ዕለት መስዋእቲ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ “ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት” ኣብ ዝብል መሪሕ ቃል ዓሲሎም፣ ደበስ ኩሎም ስውኣት ተጋደልትን ሃርበኛታትን ትግራይና፣ ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነና፣ ብመኸተ መረፃ፣ ዳግም ንምርግጋፅ፣ ይሸባሸቡ ኣለው፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ ትግራይ ተናሓናሕቲ ፓለቲካዊ ውድባት ሓሳባቶም፣ ንህዝቢ ከፍልጡ ምስ ኮሚሽን መረፃ ትግራይ ተዋዲዱ መምርሒ ብምድላዉ ካብ 6 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ጀሚሮም፣ በቢዕለቱ ኣብ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ን10 ሰዓትን ፈረቓን፣ ነፃ ፈነወ ኣየር ተመዲብሎም ጎስጓስ ምረፁኒ ከካይዱ ተገይሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ጎስጓስ ምረፁኒ ዘዳለዉዎ ፅሑፋት ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ ክሕተም እውን ተወሲኑ እዩ።እዚ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ፣ተሊሙ ካብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ ምዕሟቕ ዲሞክራሲ ውፅኢታውን መርኣያን ካብ ምዃን ብተወሳኺ፣ ተጋደላይ መለስ ዜናዊ ሓዊስካ ኩሎም ስውኣትና፣ ዝተዋደቕሉ ክቡር ዕላማ ሽትኡ ክወቅዕ ዝገብር ዓብዪ መቐይሮ ነጥቢ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፣ ውዲታትን ሽርሕታትን፣ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ንምፍሻል ዋርድያ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ 6ይ ክልላዊ መረፃ መኸተ ትግራይ፣ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ዘበለ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዋት ምዃኖም ኣብዚ ሰሙን ንህዝብና ገሊፆም ኣለዉ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ትግራይ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ብዋናነት ድማ ህዝብና ንዘርእዮ ዘሎ ዘይተሓለለ ድልውነትን ኩለመዳያዊ ንጥፈትን ዝተሰምዖ ሓበንን ፍናንን ዝለዓለ ምዃኑ ብኽብሪ ይገልፅ፡፡

ይኹን ዳኣ እምበር፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኮርቻ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ተቖፃፂርዎ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ ሉኣላዊነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክገሃስን፣ ብኢደ ወነኑ ድማ ናፅነት ፖሊሲ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣቕሪቡ፣ ማዕፆ ዓዲ ክሳብ ዓንቀሩ ጋሕጊሑ፣ ንባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ስለዝሃቦም፣ እዞም ሓይልታት ብዘይ ዓገብ በሃላይ ከም ድላዮም ክዕንድሩ እዛ ሃገር ከም መቑሎ ረሲና፣ ሕጊን ስርዓትን ፈሪሱ፣ መዐንደሪት ቀተልትን ሸፋቱን ኮይና፣ ዜጋታት ኣደዳ ሞት፣ ስደትን ህልቀትን ኮይኖም ኣለዉ። ስለዝኾነ እዚ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ ካብትን ካብትን ኣኻኺቡ ዘዋፈሮም ሕዱር ቂም ዘለዎም ስዑራት፣ ሎሚ ሓመዶም ነጊፎም፣ ሕንኽ ከይበሉ ከም ልማዶም ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን እከይ ሰይጣናዊ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ምቕፃሎም ኣብ ሓደ እዋን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ “ሎሚ እውን ደርጊ ኣሎ” ኢሉ ዝተዛረቦ ኣበሃህላ ሓቂ ምዃኑ ብጭቡጥ ዘርኢ እዩ፡

እንተኾነ ግና ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ፣ ብፍላይ ተቐባላይ ሕድሪ ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ፣ ልዕሊ 60 ሽሕ ናይ ሂወት መስዋእትነት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣካሎም ዝጎደልሉ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምጥያሽ ዓርሰ ምምሕዳርን ከይሸራረፍን፣ ሰላም፣ ድሕንነትን ሃለዋትን ትግራይ ከይድፈርን፣ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕሉፍ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፣ ቆቛሕ ኮይኑ፣ ክብርታትን ሌጋሲን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊን ኩሎም ስውኣትናን፣ ኣፅኒዑ ንቕድሚት የስጉም ኣሎ፡፡

ኣብ መወዳእታ ከም ህዝቢ ሓድነትና ኣጠናኺርን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብምምካት፣ ብቐንዱ ኣንፃር ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ዝግበር ናይ መወዳእታ ወሳናይ ግጥም፣ ማለት 6ይ ዙር “መኸተ መረፃና” 2012 ዓ.ም፣ ሰላማዊ፣ ነፃ፣ ግልፂ፣ ኣሳታፊ ዴሞክራስያዊ፣ ሕጋውን ተኣማንን ኮይኑ ንኽዛዘም ቃል መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊን፣ ኩሎም ስውኣት ተጋደልቲን ሃርበኛታትን ደቂ ትግራይ፣ ብደምን ኣዕፅምቶምን ዘረጋገፅዎ መሰል ዓርሰ ውሳነና ብመረፃ ውሑስ ብምግባር ዳግም ትንሳኤኦም ከም እነበስር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡

ክብርን መጎስን ንኹሎም ስውኣትና!!

ቃል መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊን ኩሎም ስውኣትናን ህያው እዩ!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ:8 ነሓሰ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons