ድልድል ፈነወ ጊዜ ኣየርን ዓምድን ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትግራይ ተኻይዱ

ኣብ 6ይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘለዎም ሓሳብ ሒዞም ናብ ህዝቢ ክቐርቡ ከምዘለዎም ኣዋጅ መረፃ ትግራይ ቁ.351/2012 ኣስፊሩዎ ኣሎ። ብምዃኑ እቲ ብኮምሽን መረፃ ትግራይን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ዝተዳለወ መምርሒ፣ ብዝወፀ ረቛሒታት መምርሒ ኣጠቓቅማ መራኸቢ ሓፋሽ መሰረት እቶም ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሚድያታት ማለት ቴለቪዝን ትግራይ፣ቴለቪዝን ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ብሄራውን ኤፍኤማትን ሬድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ፤ኤፍኤም መቐለ 104.4፣ኤፍኤም ሞሞና 96.4ን ቴለቪዝን ትግራይ ሚድያ ሃውስን ሕድ ሕድ ሚድያ ኣብ መዓልቲ 1፡30 ማለት 90 ደቒቓ ዝመደበኦ እቶም ፓርትታት ብዝገበርዎ ምርድዳእ ፈነወ ኣየር ጊዜ ብዕፃ ዝወፀ ረኺቦም ኣለዉ።
ከምኡ እውን ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣብ ዝዳሎ ጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ እቶም ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትግራይ ኣብ ክልተ ሕታም ዝተመደበ 10 ዓምድታት ሕድሕዶም ብዕፃ ዝረኸቡዎ ሙሉእ ዓምዲ ረኺቦም ኣለዉ።

እቲ ንጎስጓስ መረፃ ዝውዕል ፈነወ ኣየር ጊዜን ዓምድን ግልፂ ብዝኾነ ኣገባብ ዕፃ ወዲቑ ዝረኸቡ፣ካብ 6 ነሓሰ ክሳብ 12 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ጎስጓስ መረፃ ኣብተን ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘራ ሚድያታት ትግራይ ክካየደድ እዩ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

05 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons