ማሕበር ልምዓት ትግራይ 349.7 ሚልዮን ብር እቶት ኣኪባ።

ዝተፈላለየ ሜላ መተኣኻኺቢ እቶት ብምጥቃም ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ 2012 ዓ/ም 349.7 ሚልዮን ብር እቶት ከምዝረኸበት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ።

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄ ከምዝበልዎ፣ ካብ ቢዝነስ ንልምዓት ሓዊሱ ካብ ኣባልነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ 89.6 ሚልዮን ብር፣ ካብ ማሕበረሰብ ተጋሩ ዳያስፖራ 65.7 ሚልዮን ብር፣ ካብ ቴሌቶን 29.7 ሚልዮን ብር ተኣኪቡ እዩ። ካልኦት መተኣኻኸቢ ሜላታት ፍልፍል እቶት ተባሂሎም ካብ ዝተነፀሩ ካብ ተሳትፎ ማሕበራዊ ሓላፍነት ተጠቀምቲ መስተ ቢራ 43 ሚልዮን ብር፣ ካብ ሓፀርቲ መልእኽትታት 6831ን 8160ን 8.6 ሚልዮን ብር ተረኺቡ። ከምኡ’ውን ምስ ማልት ሓቢሮም ካብ ዝሰርሑ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ድማ 113 ሚልዮን ብድምር 349.7 ሚልዮን ብር ተኣኪቡ እዩ፤ ይኹንምበር ምስ ዘለና ዓቕሚ እንትነፃፀር ኣዝዩ ውሑድ እንትኾን ምስቲ ሕሉፍ ኣመፃፅኣና ብምንፅፃር እንትርአ ግና ኣዝዩ ዓብይ እቶት እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ልምዓታዊ ሕቶ ንምምላስ ንፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ፣ ንህንፀት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ሓዊሱን 81 ፕሮጀክታትን ሓደ ሽሕ ዳስን ከምኡ’ውን ንፅሬት ትምህርቲ ዝሕግዙ ስራሕትን ብድምር 319.8 ሚልዮን ብር ንስራሕቲ ፕሮጀክት ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዓለ ድማ እቶም ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገሊፆም።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons