ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ሕማም ኮሮና ብዝግባእ ክከላኸላን ክቆፃፀራን ይግባእ

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኮቪድ 19 ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘተባብዕ ውፅኢት ዋላ እንተተረኸበ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ሕማም ኮሮና ብዝግባእ ክከላኸላን ክቆፃፀራን ከምዝግባእ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ከምዝበልዎ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ፣ መከላኸሊ ስትራተጂ እቲ ሕማም ብምሕንፃፅ፣ መላእ ኣመራርሓን ህዝብን ብዝተወደበ ኣገባብ ብምንቅስቓስ ዘተባብዕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ፤ ይኹንምበር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ኮቪድ 19 ኣብ ምትግባርን ምንቅስቓስ ህዝቢ ብዝተወደበ መልክዑ ኣብ ምምራሕን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ጉድለት ይረአ ከምዘሎ ተገምጊሙ እዩ።

ስለዝኾነ ነቲ ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቦም ዝተመሓላለፉ ውሳነታትን መምርሕታትን፣ ስትራተጂ መከላኸሊ ኮቪድ -19 ሙሉእ ብሙሉእን ኣብነታዊ ብዝኾነ ኣገባብን ንምትግባር ሕድ ሕድ ቤት ዕዮ መንግስቲ ቁፅፅር ከካይድ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ፣ ኣመራርሓን ናብተን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝመፁ ተገልገልተን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ፣ ኢዶም ክሕፀቡ ወይ ሳንታይዘር ክጥቀሙ፣ ተረሓሒቖም ኮፍ ክብሉን ሰልፊ ኣብ ዝህልው ድማ ተረሓሒቖም ክስለፉ ከምዝግባእ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ጥብቂ መተሓሳሰቢ ኣመሓላሊፎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
22 ሓምለ 2012

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons