ኣብ ኩለመዳያዊ ዕብየትን ምዕባለን ትግራይ መሰረት ገይሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኢንስቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኢንስቲዩት ሎሚ 19 ሓምለ 2012 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ትግራይ መፅናዕትን ምርምርን ብምኽያድ ፖሊሲታት፣ ትልምታትን ሓሳባትን ብምፍልፋል ብኹሉ መዳይ ዓቕማ እትተኣማመን ምዕብልቲ ትግራይን ንምህናፅ ዓሊሙ ኣብ 2010 ዓ/ም ብኣዋጅ ዝተጣየሸ ትካል ከምዝኾነ ኣብ ኢንስቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ዋና ዳይሬክተር ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን ሓቢሮም፡፡

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ፍስሃ፣ እቲ ኢንስቲዩት ምስ ኣብ ትግራይ ውሽጥን ወፃኢን ዘለው ግድሳት ምሁራን ተጋሩ ምትሕበባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብርክት ዝበሉ ፕሮጀክታት ብምቅራፅ ኣብ ሕርሻ፣ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር፣ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ብሓፈሻ ልምዓታዊ ስትራተጂ መንግስቲ ትግራይ ብመፅናዕቲ ብምድጋፍ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝመፀ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ 2025ዓ/ም ተመኩሮ ሲንጋፖርን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ብምውሳድ፣ ዘመናዊት፣ ብኹሉ መዳይ ዝሰልጠነትን ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝተናገፈትን ትግራይ ንምህናፅ ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ እዚ ዝከኣል ድማ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሕርሻን ልዑልን ፅሬቱ ዝሓለወ መሰረተ ልምዓትን ብምፍጣር ስርዓት ምሕደራ ዲሞክራታይዜሽን ብምህናፅ፣ ፅሬት ትምህርቲ ብምርግጋፅ፣ ቁጠባ ትግራይ ብምዕባይ ከም ዝኾነ እቶም ዳሬክተር ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል ቡቕዓት፣ መሃዝትን ተወዳደርትን ሰራሕተኛታት ወኒኑ ኣብ 2013 ዓ/ም ልዕሊ 20 ፕሮጀክትታት ንመስራሕ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ዶ/ር ፍስሃ ገሊፆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
19 ሓምለ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons