ሰሙናዊ መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ኣብ ቀንዲ ዋኒና ዓሲልና-ውራያትና ነዕውት!!

ኣብዚ ዘለናሉ ወሳኒ መድረኽ ቃልስን ዓወትን፣ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርናን ወፃኢ ዓድታትን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ሓድነቱ ከም ዓረ ኣጠናኺሩ፣ ብቓልሱ ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ኣኽቢሩ፣ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ብዝበለፀ ውሑስ ንምግባር ፣ ከይሰልከየ፣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብዘይ ዕረፍቲ ፣ ቀትርን ለይትን ይረባረብ ኣሎ።

ብምዃኑ’ውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ዓሲሉ ፣ ሰላሙ ውሑስ ብምግባር ፣ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ብውነ ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ባዕሉ ዕድል ብባዕሉ ጥራሕ ዝውስን ምዃኑ ካብ ዘለዎ ነቕ ዘይብል መትከል ስለዝብገስ እዩ። ስለዝኾነ ክራማት ሎሚ ዘበን ከምተን ክራማት ዝሓለፋ ዓመታት ኣይኮነትን፣ የግዳስ ክራማት ሎሚ ዘበን ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣዝያ ፍልይትን ወሳኒትን ክራማት እያ፡፡ ሓድነትና ኣስጢምና፣ ሰላምና ሓሊናን ብፅንዓት ተቓሊስናን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ነጥቢ መቐይሮን ድርብ ድርብርብ መስተንክራዊ ታሪኽ ንምምዝጋብ ንዳለወሉን ንፍፅመሉን እዋን እዩ። እዚ ስለዝኾነ’ውን ካብ ባሕቲ ሓምለ 2012 ዓ/ም፣ መደብ ምእካብ ግብሪ ንምዕዋት ዝጀመርናዮ ምንቅስቓስ ብዓርሰ ምርኮሳ ዝኣምንን፣ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሩን ኣተግቢሩን ምኻድ መለለይኡ ዝኾነ ህዝብና ኣብዚ ወሳኒ እዋን እውን ሃለዋት ትግራይና ውሑስ ንምግባር፣ ከም ወትርኡ ዝግበኦ ግብሪ ብእዋኑ ከምዝኸፍል ዘጠራጥር የብሉን፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኩነታት ብቐንዱ ሕድሕድ ተጠቃማይ ቅብሊት (“ደረሰይ”)፣ስለዘይሓትትን ዘይቅበልን፣ ገለ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ዉን ሕግን ስርዓትን ስለዘየኽብሩ መንግስቲ ካብ “ቫት” ክረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ልዕሊ ብር ሓደ ቢልዮን /1/ ኣታዊ ክረኽብ ኣይከኣለን። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ስራሕ ንምእራም ተቖፃፃራይ መንግስታዊ ኣካል እውን ዝተውሃቦ ሓላፍነት፣ክፍፅም ኣለዎ። ብኣዉርኡ ድማ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ምምካት ዉራይ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑ ሲቪክ ማሕበራትን ሚድያታትን ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምብራኽ ካብ ወትሩ ብዝበለፀ ክነጥፋ ትፅቢት ይግበር።

በቲ ካልእ መዳይ ድማ ዝጀመርናዮ ጉዳይ መኸተን ልምዓትን ከይኹለፍን፣ ከም ህዝቢ ከጥፈኣና ዝኽእል ለበዳ ሕማም ኮረና ናብ ሕብረተሰብ ኣትዩ ምህላው ዘመላኽቱ ተጠቃዕቲ ወገናት ይረአ ኣሎ፡፡ ኣብዛ ቁርፂ እዋን ወዓል ሕደር ከይበልናን ተመዓራሪና ግቡእ ቆላሕታን ግብራዊ ኣንፈት ምክልኻልናን እንተዘይኣስተኻኺልና ሓደግኡ ረዚን እዩ፡፡ ፍልፍል እዚ ፀገም ድማ፣ ዝረአ ዘሎ ዘሰክፍ ሸለልትነትን ፀገም ኣተሓሳስባን እዩ። ብምዃኑ ኣብዚ ሰዓት እዙይ እቲ ሕማም ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይና ንኽላባዕ ዕዱል እንዳረኸበ ይኸድ ኣሎ። ቁፅሪ ግዳያት እቲ ቫይረስ ድማ በቢዕለቱ ብዓሰርተታት ይውስኽ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ‘ውን መንግስቲ ትግራይ፣ ህዝብና ወጊድ ሸለልትነት ኢሉ ጎናጎኒ መደባት መኸተን ልምዓትን፣ ኣብ ምምካት ኮረና ቫይረስ’ውን ክረባረብ ደጊሙ ፃዊዒቱ እንተቕርብ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ኣብ ዝወሰኖም ዉሳነታት ዝርኣይ ዘለዉ ጥሕሰታት፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰድ እዉን በዚ ኣጋጣሚ የፍልጥ፡፡

ካሊእ ወሳኒ ዉራይ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ ንምስላጥ ህዝብና ሕፁያት ኣባላት ኮምሽን መረፃ ትግራይ ንምጥቋም ዘርኣዮ ተወፋይነት ዝነኣድ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ብደሙን ኣዕፅምቱን ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳነ ንዝኾነ ይኹን ኣሕሊፉ ዘይህብ ምዃኑ ፀላእን ፈታውን ክፈልጦ እዉን ገይሩ እዩ። ስለዝኾነ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ መንግስቲ ትግራይ ብውዑይ ተሳትፎ ህዝብና ፣ ሰላማዊ ፣ ናፃ፣ ግልፂ፣ ዴሞክራስያዊ፣ ሕጋውን ተኣማናይን ኮይኑ ንኽዛዘምን፣ ተወሳኺ ሓዱሽ ቅያ ብምስራሕ ትግራይ ዓዲ ሕግን፣ ተምሳሌት ዴሞክራስን ምዃና ንዓለም ብተግባር ንክነርኢ ሕዚ እውን ኣብ መትከልና ንፅናዕን ንረባረብን እንዳበለ፣ ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብሓባር፣ ብሕጋዊ መንገዲ ንምቅላስ ዝወሰኑ ኩሎም ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን እጃሞም ከወፍዩ እንትፅዉዕ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ሓደራ፣ ብልዑል ሓለፍነትን ፍናንን ሓደራ ህዝብን ዕላምኡን ከምዝፍፅም በዚ ኣጋጣሚ ደጊሙ የረጋግፅ።

ክራማት ሎሚ ዓመት ከምናይ ታሪኽ ኣጋጣምን፣ ፀላእትና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጠርዎ ኩለመዳይ ፀቕጥን መጥቃዕትን ፍሉይ መኸተን ቃልስን ጌርና ክንወፆም ዝግቡኡና ብድሆታትን ፈተናታትን ኣብ ቅድሜና ኣለው፡፡ ምእንተ እዙይ ዱልዱል ቁጠባ ንምህናፅ ኣብ እንገብሮ ፃዕርታት ኣብ ምብራኽ ሕርሻን ማእቶትን ዝሃስይ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ዝኾነ ጉድኣት ከየብፀሐ ክንምክቶ፣ ከምኡ እውን “ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ትግራይ ዝትከል 80 ሚልዮን ፈልሲ ብእዋኑ ብዕውት ኣገባብ ንምትካል ንረባረብ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣሃዳውን ውልቀ መላኽን ጉጅለ፣ ተላኣኣኽቱን ባንዳታቱን ኣብ ትግራይ ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር፣ ብዋናነት መረፃና ንምዝራግ፣ ብሓፈሻ ድማ ካብ ቀንዲ ውራይና ንምዝንጋዕ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ እከይ ተግባራት ካብ ምፍፃም ንድሕሪት ኣይብሉን። ስለዝኾነ ከም ህዝብን መንግስትን ሓድነትና ኣስጢምና ነዚ ከምዚ ዝበለ ጥልመትን ክሕደትን ብዘይንሕስያ ብምቅላዕን ብምምካትን፣ ውዲቶም ፈተኽ ከምዘየብለና ብግብሪ ብምርኣይ፣ ኣብ ቀንዲ ዋኒንና ዓሲልናን፣ ውራይና ንምዕዋት ከም ንረባረብ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይኣምን። “ሎሚ እውን ወፅዓን ባርነትን ከምዘይንቕበል፣ ንኻሊእ ህዝቢ እውን ከምዘይንምነየሉ፣ ክጎብጠና ንዝደሊ ዝኾነ ሓይሊ ፍፁም ከምዘይንምብርከኽ ናይ ትማሊ ናይ ፅባሕ ናይ ወትሩን ነቕ ዘይብል ቃል ኪዳንና እዩ”፣ ዝብል ሕድሪን ዕላማን ኩሎም ዝኾነ፣ ጉርዲ ዘይለግቦም ስውኣት ተጋደልትን ሃርበኛታት ትግራይን፣ ሽትኡ ከም ዝወቅዕ ንፃት እውን ዘጠራጥር ኣይኸውንን።

ሕዚ እውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ !!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ 17ሓምለ/2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons