ኣብ መኽተ ኮረና ግደ መንግስቲ ፊደራል ትሑት ስለ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዓርሱ ካብቲ ለበዳ ብምሕላውን ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ሓጋዚ ክኾን ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዙርያ ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ዝተሰርሑን ህልው ኩነታትን ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ፡፡እቲ ቢሮ ሎሚ 25 ግንቦት 2012 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ትግራይ ህዝቢ ካብ ተላባዲ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ካብዘውፀሉ እዋን ጀሚሩ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐን ካብ ታሕቲ ክሳብ ክልል ምሰ ዘለው ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ብምንባብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ማዓልታዊ ፅፁይ ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ እናቕረቡ ከም ዝመፀ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ሓቢሮም፡፡

ክሳብ ሐዚ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ መሰረት ጌይሮም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘለው ምሁራን ተጋሩ ኩነታት እቲ ለበዳ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ብምርዳእ ዘይሕለል ፃዕሪ ይገብሩ ከም ዘለው ዝሓበሩ ዶኩተር ሓጎስ፣ እዞም ምሁራን ዝገብርዎ ዘለው ሞያዊ ድጋፋት ብዋጋ እንተዝትመን ንትግራይ ዓብይ ናይ ኢኮኖሚ ሓደጋ እዩ ኢሎም፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን ብብርኪ ክልል እንትረእ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ 54 ሰባት ከም ዝበፅሑን፣እዚኦም ድማ ዝበዝሑ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ዘለዎም እንትኾኑ፣በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ደምበራት ዘሎ ናይ ሓለዋ ክፍተት ከይህልው ምስ ናይ ፀጥታ ኣካላት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከም ዘሎ፣ይኹን እምበር፣ መንግስቲ ትግራይ ናይ ኢኮኖሚ ምንቁልቋል ከየጋጥም ብዝብል ምኽንያት ሕብረተሰብ ትራንስፖርት ጉዕዞ ኣብ ዞባ ውሽጢ ክጥቀም ተፈቐደ እኳ፣ሕብረተሰብ ሓደ ሓደ ሰባት ግና ካብ ሓደ ዞባ ናብ ካልእ ዞባ ብእግሪ ብምጉዓዝ ብዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ይርአ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ዶክተር ሓጎስ፣ እዚ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ንቁፅፅር ኾነ ንምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ምኽንያት ክኾን ስለ ዝኽእል ኣብዚ መዳይ ሕብረተሰብ ሓጋዚ ክኾን ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ንዝርአ ክፍተት ብፍላይ ኣብ መወሸቢ ቦታታት ዝረአ ፅበት ቦታታት ኾነ ናይ ቐረባት ፀገም፣ስብኣዊ ጥሕሰት ከይ ኣጋጥም ንምፍታሕ ብቤት ምኽሪ ዝፀደቐ መርማሪ ቦርድ ተጣይሹ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዝርከብ ዶክተር ሓጎስ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መወዳታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዘዳቡብ ከባብታት ኣብ ዙርያ ሓለዋ ግደ መንግስቲ ፊደራል ትሑት ስለ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዓርሱ ካብቲ ለበዳ ብምሕላው ኣብ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ሓጋዚ ክኾን ይግባእ ኢሎም፡፡ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ብኮረና ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ 56 በፂሖም ኣለዉ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons