ከም ሎሚ፣ ቅድሚ 29 ዓመት ማለት 13 ጉንበት 1983 ዓ/ም፣ መራሒ ወታደራዊ ፋሽሽታዊ ደርግ ነበር ሌተናል ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ጉዕዝኡ ጠቕሊሉ፣ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ሰሪቑ፣ ካብ ኣ/ኣበባ ናብ ሃገር ዚምባብዌ ዝሃደመላ ዕለት እያ፡፡ ድሕሪ ሰሙን ድማ ማለት 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም፣ ኣብ ታሪኹ ብዝኾነ ፀገም ሽብረኽ ኢሉ ዘይፈልጥ፣ ወትሩ ስጡም ከም እምኒ ዓረ ህዝብና፣ ኣብ ልምዓታዊን ዴሞክራስያዊን ህዝባዊን መስመር ዓሲሉ፣ ንስርዓት ደርግ ምስ ኩሉ ዘመናዊ ጋዕ ገልጠም መሳርሒ ኲናት፣ ሓመድ ድበ ክኽደን ገይሩ፣ ባና ሓርነት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትምክሕቲ ወለዐ፡፡

ሎሚ እውን ብደምን አዕፅምትን ኩሎም ስውኣት ተጋደልትን ሃርበኛታት ደቂ ትግራይና ዘረጋገፅናዮ መሰል ዓርሰ ውሳነ፣ ብፈኸራ፣ ዕንደራን ዓረውረውን መራሒ እቲ ብሽርሒ ስልጣን ፌዴራል ተቖፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ ኮነ፣ ብኻሊእ ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ክቕልበስ፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ትግራይና ንፃት እውን ከምዘይፈቅድ ፀላኢን ፈታዊን ክፈልጥ ይግባእ፡፡ መንእሰይ ወለዶና ሕዚ እውን፣ ምምካት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ሓዊስካ ኣብ ሰለስተ መኸተ ግንባራት ተዋፊሩ ሓዱሽ መስተንክር ቅያ ከምዘመዝግብ ኣየጠራጥርን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡13 ጉንበት 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons