JEG ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ JEG ካብ 1 ሓምለ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ክልል ምምሕያሽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዋላዃ እንተነበረ ብሕፅረት በጀት ምኽንያት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክኽፈል ተወሲኑ ኢሎም፡፡

ብበርኪ ሃገር ቁጠባዊ ዓቕሚ እዛ ሃገር እናቀነሰ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ዳኒኤል ብሓገዝ፣ ብልቃሕ ይኹን ብዝተፈላለዩ ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝኣቱ ገንዘብ ብኣግባቡ ዘመሓድሮ መንግስቲ ብዘይምህላዉን ናይ ኣጠቓቕማ ችግር ስለዘሎን ውድቀት እናጋጠመ ስለዝኾነ ካብ 01 ሓምለ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ምኽፋል ከምዘይከኣል ገሊፆም፡፡

ካብ ሚያዚያ ወርሒ ጀሚሩ ክኽፈል ተባሂሉ ዝተልኣኸ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ዝኣክል ከምዘይኮነ ኣይተ ዳኒኤል ኣብሪሆም፡፡

እቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝተለቐቐ በጀት ናብ ብር 40 ሚልዮን ዝኸውን ጉድለት ስለዘለዎ ክልል ካቢኔ ነቲ ዝጎደለ በጀት ዝቅነስ ቀኒሱ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናብ ኩለን ወረዳታትን ዞባታትን ብምልኣኽ ክፍሊት ክፍፅም ከምዝኾነ ኣይተ ዳኒኤል ኣብሪሆም፡፡

ዝርዝር ኣፈፃፅማኡ ብዝምልከት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ በቲ መምርሒ መሰረት ናብ ኩለን ሴክተራት ከምዝልእኾ ዝገለፁ ኣይተ ዳኒኤል እዚ ወሰኽ መሃያ ዘይኮነስ ምምዕርራይ መሃያ ስለዝኾነ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ኣብ ዝኾነ ወሰኽ ዋጋ ከየርኢ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 07 ጉንበት 2012 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons