ዕለታዊ መልእኽቲ

  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣በብዓመቱ 5 ጉንቦት፣ ንዝኽበር መዓልቲ ገበርቲ ሰናይ፣ እንኳዕ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ፣ንኹሉኹም ትካላትን ውልቀ ገበርቲ ሰናይን ይገልፅ።

  ኣብ ትግራይና ካብ ኣስታት 1970 ዓ/ም ጀሚሩ፣ክሳብ ሎሚ ፣ኩለመዳያዊ፣ ፀገምን ፀውራን፣ ህዝብና ኣብ ምቅላል ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይራ ውፅኢት ዘመዝገበት፣ ኣዶ ህዝብና ዝኾነት፣ ማሕበር ረድኤት ትግራይ(ማረት)፣ ካብ1984 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ብቐንዱ ድሕረትን ድንቁርናን ብምጥፋእ፣ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ተደለይቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ሙሁራን መናእሰይ ትግራይ ዘፍረየት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት)፣ ምግባረ ሰናይ ትእምት፣ ንስድራ ስውኣት፣ንዝተፀገሙ ተጋደልቲ፣ ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፍልታትን ናይ ረድኤት ትካላትን እናሓገዘ ዝርከብ፣ ከምኡ ‘ውን ቤት ትምህርትታትን ናይ ጥዒና ትካላትን ሰሪሑ ኣብ ጥቕሚ ዘውዐለን ዘውዕል ዘሎን ኣብ ትሕቲ ትእምት ዘሎ ገባሪ ሰናይ ፋውንዴሽን፣ ብድማር እዞም ህዝብና ንምሕጋዝ ዝተጣየሹ (3)ሰለስተ ልምዓታዊ ግብረሰናይ ትካላት፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብቢልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ መዲቦም፣ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስትና፣ ዝሓንፀፆም መደባት ትልሚ ትራንስፎርሜሽንን ዲሞክራታይዜሽን ንምዕዋት፣ ብፅሒቶም ወሲዶም መተካእታ ዘይብሉ ተራ ተፃዊቶም እዮም።ሎሚ’ዉን ብዝሓሸ ደረጃ ተረኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ኣብ ቐፃሊ እውን ተረኦም ከምዝፃወቱ ኣየጠራጥርን።

   ከምእኒ ኦሳ፣ኣይርሽ ኣይድ፣ጂቲዜድ፣ኤስ ኦ ኤስ፣ዎርልድቪዥን ኢትዮጵያ፣ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ፍረሚናጦስ ወዘተ ዝኣመሰሉ ከምኡ እውን ዩኒሴፍ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት፣ ኣብ ትሕቲ ቤት እምነታት ኮይነን ዝንቀሳቐሳ ናይ ረድኤት ትካላት፣ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘፈር ማኣድን ኢነርጅን፣ ኣብ ሕርሻ፣ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ጉዳያት ማለት ትምህርቲ፣ጥዒናን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት፣ ኣብ ምፍታሕ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዝገበርኩም፣ ዓለምለኻዊ፣ሃገራዊን ክልላዊን ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣ ብሓፈሻ ኣብዚ ፅሑፍ ናይ ኩሉኹም ሽም ምዝርዛር ዋላ ዘፀግም እንተኾነ፣ ሃይማኖት፣ ፆታ፣ ዕድመ ወዘተ ከይፊለኹም፣ ብልግስናኹምን ሰናይ ምግባርኩምን፣ ህዝብን መንግስቲ ትግራይ ዝፈልጠኩም፣ ውልቀ ሰብሃፍትን ነጋዶን ፣ ኣብ ኩሎም ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት  ዘለኩም ማለት ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ዘለኹም ንኩሉኹም ገበርቲ ሰናይ ደቂ ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዘሎዎ ኣክብሮት፣ እንትገልፅ፣ ኩለመዳያዊ ሓገዝኩም ኣጠናኺርኩም ከምእትቕፅልሉ ዘጠራጥር ኣይኸውንን።

   ብርግፅ ንሰብ ፅቡቕ ምግባር፣ ምትሕግጋዝን፣ ብሓፂሩ ምትሕልላይን ስጋይ ስጋኻ ምባልን ካብ ቐደም ካብ ጥንቲ፣ ካብ ቀዳሞት ወለድና ደቂ ትግራይ፣ ዝወረስናዮን፣ ሕዚ ዘሎ ሓዱሽ ወለዶ’ውን ወሪሱ ዘቐፅሎ ዘሎን ካብቶም ዓበይቲ መግለፂ ክብርታት ትግራይና፣ ሓደ ብምዃኑ ሕድሕድና እንሕበነሉን እንኾርዐሉን እዩ።

  እዚ ዓብይ ኽብርና፣ ኣብዚ ሎሚ ኣጋጢሙና ዘሎ ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ ኣብ ምምካት’ውን ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ክሳብ እቲ ሕማም ዝጠፍእ’ውን ኩሎም ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ተስፋ ንገብር።

 ብሓፂሩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባትን፣ ዝተፀገመ ህዝብና ብምሕጋዝ፣ብዋናነት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ኣብዘካይዶ ዘሎ ኩለመዳያዊ ንጥፈት እጃምኩም ከምእተወፍዩ ንተኣማመን።ብፍላይ ሎሚ ክንዓመሎም መንግስትና ኣብዘነፀሮም ሰለስተ ናይ መኸተ ግንባራት፣ ዓቕምኩም ጠሚርኹም እጃምኩም ክተወፍዩ ደጊምና ፃዊዒትና ነቕርብ።

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons