መኸተ ኮረና ቫይረስ ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ተገይሩ ክርአ ከምዘይብሉ ግብረ ሓይሊ ንኡስ ኮሚቴ ምክልካል ኮረና ቫይረስ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡
===============================

ግብረ ሓይሊ ንኡስ ኮሚቴ ምክልካል ኮረና ቫይረስ ትግራይ እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን እናተጥሓሰ ከም ዝርከብን እቲ ድንጋገ ንዘየኽብሩ ኣካላት ድማ መንግስቲ ስጉምቲ ከም ዝወስድን እቲ ግብረ ሓይሊ ሎሚ 21 ሚያዚያ 2012 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ፣ ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ገይሩ ይሪኦ ኣሎ፡፡ ብዘስግእ ኩነታትን እቲ ቫይረስ ዳርጋ ዝጠፍአ ብዝመስልን ሸለልትነት ብዝተመልኦ ኣብ እንዳ መስተ፣ ኣብ ኣብያተ እምነት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት ብስፍሓት እናተኣከበን ነቲ ለበዳ ብዘጋድድ መልክዕ እናተንቀሳቀሰን ከም ዝርከብ ግብረ ሓይሊ ንኡስ ኮሚቴ ምክልካል ኮረና ቫይረስ ትግራይ ገሊፁ ፡፡

ክሳብ ሕዚ እቲ ኮረና ቫይረስ ኣብ ትግራይ ዋላ እውን ኣይእቶ እምበር ኣብ ጎረባብቲ ክልል ትግራይ ይርአ ስለዘሎ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐ እንተዘይገይሩን በቲ ሕዚ ሕብረተሰብ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ እንተቐፂሉ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ዝሓበረ እቲ ግብረ ሓይሊ ካብቲ ለበዳ ንምውፃእ ቤትምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ ክገብር ከም ዘለዎ ሓቢሩ፡፡

እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ምትግባርን ዘይምትግባርን ዝቆፃፀሮ መንግስቲ ዘይኮነስ ሕብረተሰብ ባዕሉ እቲ ለበዳ ስግኣት ጥዕና ዓለም ምዃኑ ፈሊጡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወፁ መምርሕታት ተግባራዊ ክገብር ከም ዘለዎም እቲ ንኡስ ኮሚቴ ኣብሪሁ፡፡

ዘለናሉ ኩነታት ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ብምዃኑ ዝገለፀ እቲ ግብረ ሓይሊ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ ክግበር ከም ዝግባእ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ ዝተኣወጀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ሕብረተሰብ ተግባራዊ እንተዘይገይርዎ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ እቲ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons