ህዝቢ ትግራይ ብኮረና ቫይረስ፣ ብኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ፀቅጢ ከየጋጥሞ ይስራሕ ከምዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ዋላ እውን ኣይሃሉ እንበር ሎሚ ይኹን ፅባሕ እቲ ቫይረስ ናብ ትግራይ ኣይኣቱን ማለት ስለዘይኮነ ኩሉ ሕብረተሰብ ምስ መንግስታዊ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን መኸተ ኮሮና ቫይረስ ብምፍታሽ ክፍቀዳ ዝተወሰነለን እንዳቡን፣ እንዳካፌ፣ እንዳ ፅመሟቕ፣ እንዳ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፣ እንዳስዋ(ተጠቀምቲ ገዚኦም ናብ ገዘኦም ክወስዱ)፣ ኣልኮል እውን እቶም መከፋፈልቲ ኣብ መኽዚን ዝሓዝወን ጥራሕ ክሸጡ፣ ትራንስፖርት ኣብ ክሊወረዳ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ጥራሕ ክንቀሳቀሱ ተወሲኑ ከም ዝተወሰነ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ዝተፈቀደሎም ግልጋሎት ወሃብቲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ክጥቀሙን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ብዘለዎ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ዝበሃል መከላኸሊ ሜላታት እንተዘይኣማሊኦም ግና ክዕፀዉ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቆም፡፡

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብ ብመንግስቲ ልዑል ጥንቃቐ ይግበር ከምዘሎ ህዝቢ እውን ሰሊኾም ንዝኣትዩ ሰባት ግቡእ ሓበሬታ ብምሃብ ናብ ኳራንታይን ክኣትዉ ከም ዘለዎም ዶ/ር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቦም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons