ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልልና፣ ኣብ ምቕራብ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ኣገልግሎት ሒዝካ ምኻድ (Takeaway)፣መዐወኒ ምጥቃም ሺሻ ንምኽልኻል ዘኽእሉ ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልልና ኣብ ውሳነ ቑፅሪ 007/2012 ምቕራብ መሰረታዊ ሸቐጣት ኣመልኪቱ ኣብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ጉዳያት ወሲኑ ኣሎ ብምዃኑ:-

1. ኣብ ገፀር ይኹን ኣብ ከተማ፣ ዘድልዩ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ንሕርዲ ዝውዕሉ እንስሳትን ውፅኢት እንስሳትን፣ ካልኦት ኣድለይቲ ሸቐጣት፣ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ዩኔናት ይቐርቡ ወይ ነዚዕላማ ዝተወደቡ ካልኦት ኣካላት ይቐርቡ

2. ነዞም መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ዘቕርቡ ማሕበራት፣ ዩኔናትን ካልኦት ዝተወደቡ ኣካላትን ኣብ ከተማን ገፀርን ብኣካላት ምምሕዳር ወረዳ(ከተማ)ክፍለ ከተማ ተፈልዮም ብቢሮ ልምዓት ከተማ፣ንግድን ኢንዳስትርን ዝተዳለወ ፍሉይ ፍቓድ ይወሃቦ

3. ንልውውጥ እዞም መሰረታዊ ሸቐጣት ዝውዕሉ ግዚያዊ ዕዳጋታት ኣብ ከተማን ገፀርን ብኣካላት ምምሕዳር ወረዳ(ከተማ) ክፍለ ከተማ ጣብያን ይፍለዩ

4. መሰረታዊ ሸቐጣት ከቕርቡ ዝተፈቐደሎም ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ዩኔናት ወይ ካልኦት ዝተወደቡ ኣካላት እኹል ቐረብ ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቐጣትን ካልእ ከቕርቡ ዝተፈቐደሎም ናውትን ከማልኡን ብፍትሓዊ ዋጋ ክሸጡን ግቡእ ኣለዎም

5. ኣብዞም ዕዳጋታት ዝህሉ ርክብ ሰባት ብመሰረት ኣብ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብዝተቐመጠ ግቡእ ጥንቓቐ ተፈፃሚ ይኸውን።

6. እዚ ውሳነ ካብ 04 ሚያዝያ2012 ዓ/ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ይኸውን

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ውሳነ ቑፅሪ 10/2012 ድማ ኣገልግሎት ሒዝካ ምኻድ(Takeaway) ንምፍቃድ ዘኽእሉ ጉዳያት ከምዝስዕብ ወሲኑ ኣሎ

1. ሻሂ፣ ቡን፣ ማክያቶ፣ ፀባ፣ ፅሟቕ፣ ኬክ፣ ሳንዱች፣ ፒዛ ብኣገልግሎት ሒዝካ ምኻድ(Takeaway) ጥራሕ ምትእንጋድ ዝተፈቐደ ምዃኑ

2. ካብ ኣገልግሎት ሒዝካ ምዃድ (Takeaway) ወፃኢ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ምትእንጋድ ወይ ምጥቃም ኣይከኣልን

3. እዚ ውሳነ ካብ 06ሚያዝያ2012ዓ/ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ይኸውን

ኮማንድ ፖስት ኮረና ቫይረስ፣ መዐወኒ ምጥቃም ሺሻ ንምኽልኻል ዘኽእል ውሳነ፣ ኣብ ውሳነ ቐፅሪ 11/2012 ከምዝስዕብ ዘርዚሩ ኣሎ

1. ሺሻ ምድላው ወይ ምሻጥ ወይ ምጥቃም ወይ ምሓዝ ወይ ምቕማጥ ወይ ንኻልእ ሰብ ምሃብ ወይ ምቕባል ክልኩል እዩ

2. ሺሻ ንምሻጥ ይኹን ምጥቃም ዝውዕል ገዛ ዕፅው ይኸውን

3. እዚ ውሳነ ካብ 05 ሚያዝያ2012ዓ/ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ይኸውን

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡06 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons