መልእክቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል

ከምዝፍለጥ ካብ 17 መጋቢት ጀሚርና ኣብ ልዕሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዕሊ ውግእ ጀሚርና ኢና። ህዝብና እውን መንግስቲ ብዘውረዶ መምርሒ መሰረት ብሙሉእ ትግሃት፣ በዚ ውፃእ በዚ እቶ እንከይተባህለ ዝነኣድ ምንቅስቃስ እናገበረ ፀንሑ እዩ።

ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ “ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ የለን፣እዛ ሕማቅ ግዜ ተሓጋግዝና ንስገራ” ብዝብል ሓያል ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ፣ ብዓይነትን ብገንዘብን ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ዘኹርዕ ተግባር’ዩ። ነዚ ሰናይ ተግባርኩም ዘለና ናእዳ ከኣ ብዝለዓለ ክብሪ ክገልፀልኩም ይፈቱ። እዚ ሰናይ ተግባር’ዚ ካብቶም ተዓቂቦም ክሰጋገሩ ዝግበኦም ክብሪታትና ሓደ እዩ። ብቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ።

ሕዚ’ውን ብቐፃሊ ሸለልትነት ኣወጊድና፣ ኩሎም ዝተነፀሩ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ተግባር ብምውዓል፣ እዚ ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸሎን ክንቆፃፀሮን ኣለና። ሕዚ’ውን ብሕብረትን ብምትሕግጋዝን ዘይሕለፍ ፈተና የለን።
ሰላም!

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons