ዕለታዊ መልእኽቲ
==============
ምስኮነ ካብ ምጥዓስ-ኣቐዲምካ- ዝባን ምሓዝ!

ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ዓለምና ይኹን ሃገርና ይውስኽ ዳእምበር፣ ክሳብ ሕዚ ናይ ምቕናስ ምልክት ኣየርኣየን ዘሎ። እዚ ኩነታት ሕድሕድ ወዲ ትግራይ በቢ ሰዓቱ ይሰምዖ እዩ። እንተኾነ ኣብ ከተማታት ትግራይና ዘሎ፣ህዝብና ብፍላይ መንእሰይና ክብደት፣ ናይቲ ለበዳ ዝተረደኦ ኣይመስልን። ኣብ ከተማታት፣ ብዘይ ስራሕ ዓሰስ እናበለ ዝውዕል ብዙሕ እዩ። ተሓቋቒፍካ ምኻድ፣ተኣጒድካ ኮፍ ምባልን ኣፍ ንኣፍ ተገጣጢምካ ምውጋዕ፣ ኣብ ኣደባባይ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ቤት ዕዮታት እውን ተመሳሳሊ እዩ።

ብለይቲ ሾሊኽካ፣ ካብ ከተማታት ናብ ገጠራት፣ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ምእታውን፣ ምውፃእን ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ።እንዳመሸታ ምውዓል ምሕዳር ኣሎ። ስዋ ብጀሪካን ዓዲግካ፣ተኣኻኺብካ ያዕያዕ ኣይተረፈን ኣብ Wi-Fi ዘለዎ ቦታ ተኣኻኪብካ ሓበሬታ ምልውዋጥ፣ ከምኡ ውን በብከባቢኡ ቡና ኣፍሊሕካ ጨጨም ምባል፣ ገዲድዎ እምበር ኣይቐነሰን፣ ተኣኪብካ ምህለላ እውን ይቕፅል ኣሎ።

እዚኹሉ ጥሕሰት ሕጊ፣ ስነስርዓትን ስነምግባርን ዝጎደሎ፣ ምንቅስቓሳት፣ ክብርታት ትግራይና ዝፃባእ ጥራሕ እንተይኮነስ ቫይረስ ኮረና ናብ ትግራይ ክኣቱ ጥጡሕ ባይታ ምምችቻው እዩ።እንተኾነ እዚ ኩሉ ዘየድሊ ምንቅስቓሳት ምግባር እንታይ ማለት እዩ? መን እዩ ክጉዳእ? ሕማም ቫይረስ ኮረና ኣብ ትግራይና እንተኣትዩ እኮ፣መላሲ ኣይህልዎን።

ስለዝኾነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ጭንቂ፣ ፀበባን፣ ህልቂትን ከምመምሃሪ ወሲድና ቫይረስ ኮረና ንመክት።ብኣጋጠሚ ዝርከብ ዕድል (opportunity)፣ ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ዘይተጠቐምካሉ እንተሓሊፍካ፣ መሊስካ ምጥቃም ይተርፍ፣ ምርካብ ውን ኣይከኣልን። ዕድልን ጊዜን ሓደ ጊዜ እንተሓሊፎም፣ ንድሕሪት መሊስካ ክትጥቀመሎም ፈፂሙ ኣይከኣልን። ሰለዚ ከም ገለ ኢሉ፣ ቫይረስ ኮረና፣ ናብ ትግራይና እንተኣትዩ፣ምስኾነ ካብ ምጥዓስ፣ ከይኮነ ብገኒኡ፣ኣቐዲምካ፣ ምምካትን፣ ዝባን ሒዝካ ምክልኻልን እዩ፣ ዘዋፅኣና። እሞ ሃየ፣ሕድሕድና፣ ኩሉ ሜላታት መከላኸሊ ቫይረስ ኮረና ተግባራዊ ንግበር።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡30መጋቢት 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons