ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ስራሕቲ ምርምራ ኮቪድ-19 ብዕሊ ካብ ዝጅምር ዝተቐበሎም 21 ጥሩጡራት ቫይረስ ኮሮና ዉፅኢቶም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ቐንዲ ትኹረቱ ኣብ ወሰንቲ መከላኽሊ ሜላ እቲ ቫይረስ ክኸዉን ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ሙሉእ ኣገልግሎት ምርምራ ኮቪድ -19 ቅድሚ ሒደት ማዓልቲ ብዕሊ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምጅማሩ ይዝከር።

ዛጊድ እቲ ምርመራ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተጠርጠሩ 21 ወገናት ውፅኢት ከምዝመርመረ ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ደ/ር ተወልደ ዉባየሁ ዉፂኢቶም ድማ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኾኑ ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዘሎ መመርመሪ ማሽን ዓቕሚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓት ናይ 90 ወገናት ብማዓልቲ ን270 ወገናት ዉፅኢት ምርምራ ከፍልጥ ዝኽእል ምኾኑ ዝሓበሩ ደ/ር ተወልደ ምስ እታወታት ተዛሚዱ ምስ ኢንስቲትዩት ሕ/ሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቦም ።

ዛጊድ ነቲ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል መድሓኒት ከምዘይተረኸበ ዝሓበሩ ደ/ር ተወልደ ሕ/ሰብ ብወረያ ወረ ዝመፁ ዘረባታት ንጎነ ብምግዳፍ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምኽልኻል እቲ ቫይረስ ዝህብዎ ማዕዳ ብዝግባእ ከተግብር ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ ምስ ምጥቓም ጎንቲ ኢድ ተዛሚዱ ብዘይስኽፍታ ምትንኻፍ ሰለዝህሉ እቲ ቫይረስ ከምመሰጋገሪ ከይኸውን ጥንቓቐ ምግባር ከምዝግባእ ሚዓዶም።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ማእከል ዓዲ ዝተመርመሩ ሓዊስኻ 76 ወገናት ብዝተገበረ ምርምራ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኾኖም ከምዝተረጋገፀ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons