ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል ዘኽእል ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣

ኣብዚ ህፁፅ እዋን ዝፍፀሙ ግቡኣት፣

  • ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻብ ሰባት፣ ኣኼባ፣ ስልጠና ይኹን ካልኦት ተመሳሰልቲ ተግባራት ኣይፍቀድን፣
  • ኣብያተ ትምህርቲ፣ ዩኒቨርስታት፣ ኮሌጃት፣ መዋእለ ህፃናት፣ ማእኸላት ስልጠና፣ ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ፣ ይዕፀዋ
  • ዝኾነ ዓይነት ድግስ ወይሰባት ዝተኣኻኸብሉ ማሕበራዊ ርክብ ከም መርዓ፣ ተስካር፣ ክርስትና፣ ዓመት ቆልዓ፣ ገለብ፣ ፀበል፣ ምረቃ፣ ተሃድሶ፣ ቀብሪ ብውስናት ሰባት ተረሓሒቆም ክኸውን፣ ደበስ፣ እድር፣ ዕቁብ፣ 

  • ብሕማም ኮረና ቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ ምርመራ ክካየደሉን ኣብ መፅንሒ ቦታ ክቅመጥ ክግደድ ይኽእል፣
  • ተመርሚሩ ኮረና ቫይረስ ዝተረኾቦ ሰብ ኣብ መፅንሒ ቦታ ተዓቂቡ ክሕከም ብሰብ ሞያ እንተተኣሚኑሉ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ንክቕመጥ ይግበር፣
  • ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎን ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ንኸይወፅእ ውሳነ እንተኣመሓላሊፉን ዝኾነ ሰብ ነዙይ ውሳነ ከኽብር ኣለዎ፣
  • ብዝኾነ ዓይነት ሜላ መራኸቢ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምፍናው ክልኩል እዩ፣
  • ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ከተማ ናብ ካሊእ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገፀር፣ ካብ ገፀር ናብ ከተማ፣ ካብ ገፀር ናብ ገፀር ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ንክልተ ሰሙናት ተኣጊዱ ኣሎ፣
  • ህዝቢ ብበዝሒ ዝእከበሎም ሰሙናዊ ዕዳጋ ፣ ባዛር፣ ኤግዚቪሽን ዝተኸልከለ እዩ
  • ካብ ካሊእ ከባቢ ናብ ትግራይ እንትኣቱ ምርመራ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ክግበረሉ ይግደድ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ዓረፈ ናብ ካሊእ ቦታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን
  • ኣብ ኩለን መናሃርያታት ዝኣትዉን ዝወፁን ሰባት ምርመራ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ይግበረሎም
  • ኣብ መእተውን መውፀእን በሪ ከተማታት ምርመራ ሕክምና ኮሮና ቫይረስ ይካየድ፣
  • ካብን ናብን ሰባት ዝተኣከብሎም ካምፕታት ዝግበር ምንቅስቃስ ጠጠው ይብል
  • ዝኮነ ዓይነት ክልተን ልዕሊኡን ሰባት ዝሳተፍሉ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ክልኩል እዩ
  • ማእኸላት መዘናግዒ ማለት እውን ከም እንዳ መስተን ሳዕሲዕትን፣ ማእኸል ሲነማ /ፊልሚ/ ማእኸል ስፖርታዊ ምርኢት፣ ስታድየም፣ ዲኤስቲቪ፣ ማእኸል መዘናግዒ ህፃናት ፣ እንዳ-ቢንጎ፣ እንዳ-ፑል፣ እንዳ-ካራንቡላ፣ ጋላሪ፣ ሙዝየም ፣
  • ተሃነፅትን ኣብ መዕረፊ ጣብያታት ፖሊስ ዘለዉ ተጠርጠርትን ካብ ደገ ምስ ዝመፅእ ሰብ ምርካብ ዝተኸልከለ እዩ
  • ማእከላት መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ኣካል ጉድኣት፣ ህፃናትን ጥዕና ዝሰኣኑ ሰባትን ካብ ደገ ምስ ዝመፅእ ሰብ ምርካብ ዝተኸልከለ እዩ፡፡
  • ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልዕሊ 50 ሰባት ምስታፍ ኣይከኣልን
  • ጫት መሸጢ ይኹን መጥቀሚ ቦታ ዝተኸልከለ እዩ
  • ኣብ ምውፃእ ዃዕቲ ማዕድን ዝተዋፈረ ዝኾነ ሰብ ካብቲ ቦታ ክንቀሳቀስ ኣይኽእልን
  • ወሃብቲ ኣገልግሎት ከም ሆቴል፣ እንዳ ምግቢ፣ እንዳ ቁርሲ፣ እንዳ ቡን፣ እንዳ ሻሂ፣ ተገልገልቲ እንተነኣሰ ብሓደ ሜትሮ ተረሓሒቆም ክቕመጡን መሕፀቢ ኢድን ሳኒታይዘርን ከቕርቡ ኣለዎም
  • ዝኾነ ትካል ንግዲ ሰራሕተኛታቱ ንተገልገልቱን እንተነኣሰ ብሓደ ሜትሮ ተረሓሒቆም ከገልግሉን መሕፀቢ ኢድን ከማሉኡን ኣለዎም
  • ዝኾነ ፋብሪካ፣ ኢንዳስትሪ ፓርክ፣ ትካል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ጥዕና ሰራሕተኛታቱ ንምሕላው ዘድልዩ ናውቲ መከላኸሊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከቕርቡን ክጥቅሙን ኣለዎም
  • ዝኾነ ሰብ ዘይሕጋዊ ዋጋ ክውስኽ ወይ ሕፅረት ኣቕርቦት ንምፍጣር ንብረት ክሓብእ የብሉን
  • ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝህባ መኻይን ዝምልክት ዘዋሪን ሓጋዚኡን ማስክን ጓንትን ክጥቀሙ፣ ሳኒረታይዘር ከቕርቡ ኣብ ሓንቲ ወንበር ሓደ ሰብ ጥራሕ ዝቅመጥ ኮይኑ ካብ ዝተፈቐደ ንላዐሊ ምፅዓን 50ሚኢታዊ ክፅዕኑ፣ ኣገልግሎት ባጃጅ ማስክን ጓንትን ክጥቀሙ፣ ሳኒረታይዘር ከቕርቡ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክፅዕኑ ኣለዎም
  • ዝኾነ ሰብ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ትካል ዝህልዎ ምንቕስቃስ ካብ ካልኦት ሰባት እንተነኣሰ ሓደ ሜትሮ ክርሕቕ ኣለዎ
  • ናብ ዝኾነ ከተማ፣ ቦታ፣ ከባቢ፣ ትካል ወይ ከዓ ቀፅሪ ብስሩዕ ካብ ዝተኸፈተ መእተውን መውፅእን በሪ ምእታው ወይ ምውፃእ ኣይፍቀድን፡፡

 

 

 

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons