ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ንቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ኣበርኪታ፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ሕሉፍ እዋናት ምስ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብትሕብባር ኣብ ትግራይ ንቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል 160 ዓራት፣ 44 ፍራሽ፣ 15 ሕሙማት ዝግልገልሉ ሳንዱቅ፣ 8 ክራንች፣ 3 ዊልቸይርን ብሓፈሻ ካልኦት ነቲ ሕማም ብቐሊሉ ንምክልኻል ዝውዕሉ ናውቲ ሕክምና ከም ዘበርከተት ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ከም ዝገለፅዎ ለበዳ ሕማም ኮረና ተታሒዙ ሕፅረት ዓራት ከም ዝነበረ ብምሕባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ዝካይዶ ዘሎ ድጋፍ  ሓጋዛይ ብምዃኑ ክምስገን ከም ዝግበኦ ገሊፆም፡፡

ብብርኪ ክልል ኣብ ዙርያ ምክልካል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝለዓለ ምርብራብ ይግበር ምህላዉ ብምሕባር ምስ ምርመራ ካብ ካልእ ከባቢ ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኣካላት ኣብ ኩለን ጫፋት መመርመሪ ቦታታት ከም ዝተማቻቸወ ኣብ ዝቅፅል ሰሙን እውን ኣብ ትግራይ ላባራቶሪ ከም ዝተኣታቶተው ሓቢሮም፡፡

ምክትል ስራሕ ፈፃሚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ዚሄር እቲ ትካል ብዋንነት ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ከም ዝኮነትን ሕዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኣልጋ፣ ኮነ ካልኦት ናውቲ ሕክምና ድጋፍ ብምግባር ከም ዘይድሕንን እቲ ዝላዓለ መማረፂ ድማ ባዕሉ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ጥንቃቀ ክገብር ምዒዶም፡፡

እቲ ሕማም ኣብ ሙሉእ ዓለም ብምስፍሕፍሑ ምኽንያት ካብ ሃገርና ወፃኢ እንስደደሉ ዓዲ ከምዘየለ፣ ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋይ ዘለና መማረፂ ኩልና ሓላፍነት ወሲድና ክንከላኸሎ ከም ዝግባእ ገሊፆም፡፡

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons