ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና አብ መላእ ዓለም ብዝለዓለ ናህሪ ብምውሳኽ ዛጊድ ቁፅሪ ቫረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ልዕሊ 300 ሽሕ ከም ዝበፀሐ ውድብ ጥዕና ዓለም አፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴደሮስ ኣድሓኖም አብ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ አድህቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፈለማ ኣብ ውሽጢ 67 መዓልቲታት 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ ቀፂሉ ድማ ኣብ ውሽጢ 11 መዓልቲታት 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ገሊፆም።

እቶም ዝተረፉ 100 ሽሕ ሰባት ግና ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲታት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምሕባር ለበዳ እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ አረዲኦም።

ብዝለዓለ ናህሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ቫረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ብሓባር ክሰርሓ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፀዊዖም፡፡

ብብርኪ ዓለም ዛጊድ ብኮሮና ቫይረስ 367 ሽሕ ሰባት ዝተተሓዙ እንትኾኑ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከም ዝደሓኑን ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons