ሰሙናዊ መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

              ኮረና ቫይረስ እናመከትና – ንዕሰል ኣብ ቀንዲ ውራይና!!

ብሄራዊ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብክልል ብርኪ ግብረ-ሓይሊ ኣጣይሹ ዝልዓለ መሪሕነት ዓርፊዎ፣ ዉሽጣዊ ዓቕሙ ዝፈቅዶ ዘድሊ ስራሕቲ እናወገነ፣ ቐንዲ ውራዩ ንምስላጥ ብዝለዓለ ወነ ኣብ ምርብራብ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ዝተፈላለዮ ትካላት ሃይማኖት ከምኡ ዉን ማሕበራት፣ ውራይ ህዝብናን መንግስትናን፣ ውራይና እዩ ኢሎም፣ ቫይረስ ኮረና ንምኽልኻል ኣድላዪ ዘበለ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው፡፡

ብፍላይ መናእሰይ ትግራይ ድማ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ፣ ቀንዲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ብድጅታል ወያነ ህዝቢ ካብ ምንቃሕ ጀሚሮም ክሳብ ህዝቢ ግልጋሎት ኣብ ዝረኽበሎም ከባቢታት ዉልቀ ፅርየት ክሕልዉ ኢዱ ክሕፀብ ማይን ሳሙናን ብምቕራብ ግቡኦም ይፍፅሙ ኣለው፡፡ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንመናእሰይና ክብረት ይሃበልና ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፍ፣ ኩሉ ትግራዋይ ሰናይ ተግባር መናእሰይና ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ የተሓሳስብ። ብኣንፃሩ ፀገማት እንትፍጠሩ፣ እቲ ፀገም ክጋደደ ዝገብሩ ውሑዳት ስሱዓት ነጋዶ፣ ኮረና ቫይረስ ተበሊፆም፣ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ብምሕባእ፣ ሕፅረት ሸቐጥ ከምዘሎ ብምምሳል፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ዝተጋነነ ዋጋ እናወሰኹ፣ ኣብ ህዝብና፣ ተወሳኺ ሽግር ንዝፈጥሩ ነጋዶ፣ ሕድሕድ ትግራዋይ፣ ተኸታቲሉ ከቃልዖምን፣ በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ እዉን መምሃራይ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስደሎም ክንገልፅ ንፈቱ፡፡

   ኣብ ዓለምና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኮረና ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ  ልዕሊ 220 ሽሕ ሰባት ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሞይቶም ኣለው፡፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ሂወቶም ስኢኖም፡፡ እንተኾነ ግቡእ ክንክን ዝተገበረሎም ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት እውን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ዝኾኑ ኣለው እዮም፡፡ ብጭቡጥ ቻይናውያን፣ ብቐንዱ መንግስቶም ዝበሎም ኩሉ ተረዲኦም፣ ዕለታዊ መምርሒኦም ስለዝገበሩ፣ ከምኡ እውን ስነ-ጥበባውያን ቻይና፣ ብመልክዕ ስነ-ኪነት ዘመሓላልፍዎም መልእኽትታትን ማዕዳታትን ሰሚዖም ተግባራዊ ስለዝገበሩ፣ ንኮረና ቫይረስ መኪቶም ዕለታዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሶምን ኣበርቲዖም ቀፂሎም ኣለው፡፡ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ እውን ክሳብ 10 መጋቢት 2012 ዓ/ም፣ ትሽዓተ (9) ሰባት፣ ግዳይ እቲ ቫይረስ ምዃኖም ተረጋጊፁ ኣሎ። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ (4) ሰባት፣ ግቡእ  ክትትልን ክንክንን ስለዝተገበረሎም ምምሕያሽ የርእዩ ኣለዉ፡፡

 ይኹን ደኣምበር ኣብ ቻይና ምምሕያሽ ተራእዩ እዩ፤ ኣብ ሃገርና እውን ግዳይ እቲ ቫይረስ ዝኾኑ ሰባት ቁፅሮም ውሑድ እዩ ብምባል ማንም ሰብ ፈፂሙ ክዘናጋዕን ነቲ ዓለምና ዘናውፅ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ፣ ሸለል ክብሎ የብሉን። ቫይረስ ኮሮና ሎሚ እውን ዓብዪ ስግኣት ዓለምና እዩ፡፡ይትረፍ ንዓና፣ ንዝማዕበላ ሃገራት እውን ከቢድ ፈተና ኮይኑ ከምዘሎ  እዉን ክስመረሉ ይግባእ፡፡

    ስለዝኾነ በቲ ገፅ ሓደ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዓቕሙ ዘፍቐደሉን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልልናን ትካል ጥዕና ዓለምን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝህብዎም ኣስተምህሮታትን ኣግባብ መኸላኸሊኦምን ብግቡእ እናተኸታተለ፣ ከምቲ ንኣንበጣን፣ ሓይልታት ትምክሕትን ባንዳታት ዘሳውርዎም ውዲታት፣ ዘፍሽሎ ህዝብና ዓቕሙ ጠሚሩ፣ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ፖሊሲ፣ ብዝለዓለ ወነ ብምፍፃም፣ ንቫይረስ ኮረና እውን ከም ዝከላኸሎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይተኣማመን እዩ፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ሕድሕድ ትግራዋይ፣ ከስተውዕሎ ዝግበእ ነገር ቫይረስ ኮረና ኣመልኪቱ፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ይኹን ካልኦት ኣማራፂታት ዝንዝሑ ዘይትኽክል ሓበሬታታት፣ ሰሚዑ፣ ክደናገፅን ክፈርሕን የብሉን፡፡ የግዳስ መፍትሒኡ ፈሪሕና ዕለታዊ ዋኒንና ምግዳፍ ዘይኮነስ፣ ዘላቒ መፍትሒኡ ኣብ መላእ ህዝብና ኢድ ምዃና ብምእማን ካብ መንግስትኹም ዝዉሃበኩም ሓበሬታታት ኣብ ግብሪ ምዉዓልን ኣድላዪ ጥንቃቐ እናገበርና፣ ቫይረስ ኮሮና እናመከትና ኣብ ቀንዲ ውራይና ምዕሳል እዩ፡፡

    ኣብ መወዳእታ ዘፈር ኮሙኒኬሽንን ሚድያን ትግራይ፣ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ንዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ናእድኡ እናገለፀ ዝጀመርዎ ስራሕ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ዝለዓለ ተራ ዝተፃወቱ፣ ስነ-ጥበባውያንን ከየንትን ከምኡ እውን ዲጂታል ወያነን ቫይረስ ኮረና ንምምካት ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ እጃሞም ከወፍዩ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ። 

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

 መቐለ:11 መጋቢት 2012 ዓ/ም

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons