ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ብዱልዱልን ንግድን ቁጠባን ንምጥንካር ይስራሕ ከም ዘሎ ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳን ገሊፁ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍትን ኣሰይድ መሓመድ ኣልሓሰን ከም ዝሓበርዎ፤ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ብመሰረተ ልምዓት መንገዲ ባቡርን መንገዲ ኣስፋልትን ንምርኻብን ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ብዱልዱል ንግድን ቁጠባን ንምጥንካር እንሰርሐሉ እዋን ሐዚ እዩ ኢሎም፡፡

ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍትን ኣሰይድ መሓመድ ኣልሓሰን ኣልመርቓኒ ዝምራሕ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ፋብሪካ ቆርበትን ሌዜርን ሸባ፣ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ፣ ማያዊ መራኽብ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ዝኾነ ዲማ ሓምላይት፣ ጣብያ ኳራንታይን ሑመራን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ባዕኸርን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ እዩ ፡፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓት ድማ ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ዝህቦ ቆላሕታ ዘገርም ምዃኑ ብወረ ንሰምዕ ኔርና ዝበሉ ኣሰይድ መሓመድ ኣልሓሰን ኣልመርቓኒ ሐዚ እቲ ሰላም ብኣካል ተረኺበ ኣስተማቒረዮ ኣለኹ ኢሎም፡፡

ብካሊእ መዳይ እውን እቶም በዓል ሃፍቲ ምስ ጉጅለኦምን ኣመራርሓ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብን ብምዃን ትግራይን ሱዳንን ብሑመራ ብቐረባ ከራኽበን ዝኽእል ማያዊ ዶብ ዲማ-ሓምላይት ወሪዶም ተዓዚቦም ፡፡

ምክትል ኣማሓዳሪን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ምዕራብ ኣይተ ሰብሆ ሓጎስ እዉን እቲ ከባቢ ኣርባዕተ ኣንፈታት ዘራኽብ ማእኸል ኮሪደር ልምዓትን ንግዳዊ ምንቅስቓስን ብምዃኑ ብመሰረተ ልምዓት እንተዝተኣሳሰር ዓብይ ረብሓ ምተረኸቦ ኢሎም፡፡

እዞም ብዓመት ምሉእ ዝዉሕዝ ሩባ ተከዘ ተኣሳሲሮም ብምሕዝነት ዝነብሩ ህዝብታት ብዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ተራኺቦም ድልዱል ቁጠባን ንግድን ክሃንፁ ክልቲኦም መንግስታት ቆላሕታ ኣይገበሩሎምን ዝበሉ ኣሰይድ መሓመድ ብወገኖም እዚ ንምቕያር እዋኑ ሐዚ እዩ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ምሕዝነት ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምንው ፈለማ ነዞም ጉጅለ ናብ ትግራይ ክመፅእ ዝገበረ ትካል ኢትዮ-ነጋሽ ብምምስጋን እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይን ሱዳንን ክልተኣዊ ርክቦም ብመሰረተ ልምዓት ንምምዕባል ቆራፅነት ዝተርኣየሉ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons