መግለፂ ቅዋም ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ

ሎመዓንቲ ዕለት 28 ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን መስራቲ ጉባኤ 23 ማሕበራትን ሰለስተ ፖለቲካ ውድባትን “ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ተኻይዱ ኣሎ፡፡

ኣብዚ እዋን ኩለመዳያዊ ሽርሕታት ፀላእትና ንምምካት ኣድላይነትን እዋናውነትን እቲ ፎረም ዝያዳ ቅቡል ክኸውን ኣኽኢሉ እዩ። ብመሰረት እዚ ጉባኤተኛታት ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ፣ ኣብ ዕላማን ዓንድታትን እቲ ፎረም ብዕምቆት ተመያይጥና ኣለና፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ኩሉ ነገር ትሕቲ ሃላዋትን ድሕንነትን ህዝብና ክኸውን ከምዝግባእ ብምርድዳእ ነዞም ዝስዕቡ ሓባራዊ ቅዋም ድማ ኣሕሊፍና ኣለና፡፡

1/ ሕገ መንግስትታት ፌደራልን ክልልን ብምኽባር ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ህያው ክኸውን ሕብረትና ኣጠናኺርና ብፅንዓት ክንቃለስ ኢና።

2/ ማዕረ ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ህዝቢ ትግራይ ንኽረጋገፅ ከምእንቃለስ ወሲና ኣለና፡፡

3/ ብሄራውን ግዝኣታውን ሓድነት ትግራይ ብምጥንኻር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ንክኸውን ብትረት ክንቃለስ ኢና፡፡

4/ ምዕቡልን ስልጡንን ፖለቲካዊ ምህዳር ንህልወናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ንምዕብልቲ መፃኢት ትግራይ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ንተግብራውነቱ ከምእንቃለስ ተስማዕሚዕና ኣለና፡፡

5/ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ብምሕላም ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝመፅኡ ዘለዉ ውዲታት ንምምካን ሓድነትና ኣፅኒዕና ጠንኪርና ከምእንቃለሶም ቃል ንኣቱ፡፡

6/ እቲ ፎረም ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብዝግባእ ኣሚንና ዝተስማዕማዕና እንትንኮን ንመትከልን ዓንድታትን እቲ ፎረም ዝኣመኑ ፖለቲካውን ዘይፖለቲካውን ትካላትን ውዳበታትን ምሳና ብሓባር ንኽቃለሱ ኣፍደገና ክፉት ከምዝኸውን እውን ተስማዕሚዕና ኣለና፡፡

እዚ ፎረም እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝህቀኑ ሓደጋታት ኣፅኒዑ ዘተ ብምክያድ ናብ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ብምቕራብ ቃልሲ ንክካየደሉ ይሰርሕ፡፡

ንተግባራውነት ውሳነታት መስራቲ ጉባኤ ፎረምና ብፍላይ መናእሰይ ብሓፈሻ መላእ ህዝብና ሓድነቱ ኣፅኒዑ ንክቃለስ ፃውዒትና ነቕርብ፡፡

28 ለካቲት 2012 ዓ/ም
እቲ መስራቲ ጉባኤ ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ነቲ ፎረም ብቐፃሊ ዝመርሑ 7 ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፎረም መሪፁ ኣሎ፡፡ ብመሰረት እዚ

1. ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ – ኣቦ ወንበር እቲ ፈፃሚ ስራሕ – ካብ መንግስቲ ትግራይ
2. ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ – ምክትል ኣቦ ወንበር- ካብ ውድብ ሳልሳ ወያነ ትግራይ
3. መንእሰይ ሰናይ ከሓሰ – ፀሓፊ – ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
4. ዶክተር ሶሎሞን ኪዳነ – ካብ ህወሓት
5. ዶክተር ከላሊ ኣድሃና – ካብ ምሁራት
6. ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ – ካብ ነጋዶ
7. ጋዜጠኛ ፀጋው ታደሰ – ካብ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ኮይኖም ተመሪፆም።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons