ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዝግበር ኣሰራርሓ ብትረት ብምቅላስ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ድሕንነትን ሃለዋነትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝስራሕ ሓቢሮም ፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ፤መረፃ ክሳብ ዝካየድ ህዝቢ ዝሃበና ሓላፍነት ክንዋፃእ ይግባእ፡ ሕጊ ብክልልና ይኹን ብሃገር ደረጃ ክኽበር እናሰራሕና ንርከብ ንቀፃሊ እንተኾነ እውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዝግበር ኣሰራርሓ ብትረት ብምቅላስ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ድሕንነትን ሃለዋነትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

“ብዙሕ ተሞክሮ ዘለዎ ህዝቢ ሒዝካ ዘይስገር የለን” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፤ ምስ ኢህወደግ ብከይዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትሕዝቶ እውን ተፈላሊና ኢና ፣ ህዝቢ ትግራይ ተቃሊሱ ዘምፀኦ ወያናይ ዴሞክራሲ መስመር ብናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ሕጊ ዝጠሓሰሉ ወያናይ መስመር ንጎኒ ዝግደፈሉ ስርዓት ክንክተል ኣይንኽእልን እውን ኢሎም፡፡

ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ክዘርጉ ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ብትረት ብምቅላስ ኣብ ድሕንነትን ሃለዋነትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ትኹረትሂቦም ከም ዝሰርሑን ካብ ሕዚ ንደሓር ሕጊ ንዘየኽብር ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ከም ዝኾኑ ዶ/ር ደብረፂዮን ገሊፆም፡፡
ኣብ ሃገርና ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዝግበር ኣሰራርሓ ስርዓት ክሕዝ ኣብ ምግባር ምስ ውፁዓት ህዝብታት ሃገርና ብምዃን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሓቢሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ተሞክሮ ዘለዎ ህዝቢ ብምዃኑ ንህዝቢ ሒዝካ ዘይስገር ከምዘየለ ኣረዲኦም፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons