ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
“ኣጅቦ ካብ ሕቛኑ – ቖልዓ ካብ ብህፃኑ”

መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ መበል 25 ዓመት ልደት 11 ለካቲት፣ ቅድሚ 20 ዓመት እንትኽበር፣ ምሽጥር ዓወትና ፅሩይ ወያናይ ዲሞክራሲያዊን ልምዓታዊ ህዝባዊ መስመርና ነፂርና ህዝብና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፣ኣብ ዙርያ ህዝባዊ መስመርና ኣዕሲልና ብምቅላስና ምዃኑ ኣስሚርሉ እዩ፡፡ እዚ ሓቂ እዙይ ኣብ ድሮ ምፅንባል መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት’ውን ጋህዲ ኾይኑ ኣሎ፡፡

ርእሰ ዓውደ ዓመት ትግራይና፣ ዝኾነት 11 ለካቲት፣ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ፣ ህዝብና ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ካብ ትግራይና ወፃኢ፣ ኣብ ኣ/ኣበባን ዝነብር ሓዊስካ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ሃገርና ዘሎ ህዝብና፣ ከምኡ’ውን ሰገር-ባሕሪ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ዲያስፓራ ትግራይ’ውን ዝተፈላለዩ ውዳበታት ፈጢሩ ምስ ፌዴራሊስት ሓይልታትን፣ ኩሎም ፈተውቲ ወያነና ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ፀላኢን ፈታዊን ብዘስደምም ኣገባብ እናኽበሮ ፀኒሑ እዩ፡፡ መበል 45 ዓመት’ውን ብዝበለፀ ኣገባብ ከምዘኽብሮ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡

ነዚ ሓቂ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ኣብ ኣ/ኣበባን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ ውሽጥን ደገን ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ትምክሕቲ ከምድልየቶም ዝዝውሩዎ፣ ነፃነት ፖሊሲ ሃገርናን፣ ሉኣሉዊነት ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ግሂሱ መፈፀማይ ተልእኾ ሓይልታት ወፃኢ ዝኾነ፣ ናይ ፌደራል መንግስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ፣ ብዘብፀሐሉ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ በደላት ከይተሰኮነ፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸበረ መበል 44 ዓመት ልደት 11 ለካቲት ፣ ባንዴራ ትግራይና፣ በዓል ኾኾብ ባንዴራ ሃገርናን ዓርማ መሪሕ ውድብ ህወሓትን ሒዙ ብድሙቕ ብምኽባር ፀላኢ ርእሱ ከድንን ብምግባር ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንነቱ ዘይደራደር ጥራሕ እንተይኾነስ ፣ ልዕሊ ሚኢትን ስድሳን ሽሕ (160 ሽሕ) መላምል ደቂ ትግራይ ናይ ህይወት መስዋእትን፣ ኣካሎም ዝጐደሉን፣ ዋሕስ ጉዕዞ ህዳሴና ዝኾነ ልምዓታዊን ዲሞክራስያዊን ህዝባዊ መስመርና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘየቕርብ ኣመስኪሩ እዩ፡፡

በዓል ዋና ህዝባዊ መስመርና ዝኾነ ህዝብና፣ ኣብ ድሮ ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት’ውን፣ ብህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝወሰኖም ትሽዓተ ነጥብታት ኣትዒቱ ሒዙ ብዝበለፀ ንምኽባር ምድላዋቱ ብውነን ወያናይ ህልኽን ይውግን ኣሎ፡፡ ነዚ’ዩ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ መበል 17 ዓመት ልደት 11 ለካቲት 1984 ዓ/ም፣ ኣብ መቐለ እንትኽበር፣ እንኳዕ!! ካብዚ ለባም፣ ቕኑዕን ወናምን፣ ህዝቢ ትግራይ ተፈጠርና ዝበሎ መግለፂ ተቓላሳይ ህዝብና ዝኾነ ኣበሃህላ ፣ሎም’ውን፣ ኣብ ኩሉ ኹርናዓት፣ ንዘሎ ህዝብና እንኳዕ ናትና ኾንኩም፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናትኩም መገልገላይ ምበር ናይ ማንም ተለኣኣኺ ኣይኾነን ኢልና ደጊምና ደጋጊምና ኣብ ኣደባባይ ንገልፅ ዘለና፡፡

ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፉ 45 ዓመታት ኣብ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን ወያና ህዝባዊ መስመር ዓሲሉ ህይወቱ፣ ንብረቱ ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን፣ ብስምዒት ወይ ታራ ህልኽ ኣይኾነን፡፡ ካብ ጓሓቱ ጥጅእ ህወሓት ዝኾነት ማገብት ሒዛቶም ዝተልዓለት ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ማለት ህዝብና ካብ ብሄራዊ ዕብለላ ንምንጋፍ፣ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰል ንምርግጋፅ፣ ሓረስታይና ወናኒ መሬት ንምግባር፣ ብሓፈሻ ህዝብና ”ኣጅቦ ካብ ሕቋኑ ቆልዓ ካብ ብህፃኑ” ከምዝባሃል፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝብና፣ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመር፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን፣ ብቓልሲ ሓራ ብምውፃእ፣ ኣብ ዝላዓለ ጠርዚ ምዕባለ ንምብፃሕ ዘኽእል ቕኑዕ ሳይንሳዊን ማዕባላይ መስመር ምዃኑ ብዝግባእ ተረዲኡ እዩ ተሰዊኡሉ።

ሎም’ውን እንተኾነ “ዓምዲ ሒዝኻ ተቖፀ፣ እኖኣ ርኢኻ ተሓፀ” ከም ዝብሃል፣ ህዝብና መሊኡ ካብ ድኽነት ሓራ ክወፅእ ዝኽእል፣ ብሕታዊ መማረፂ ዝኾነ ብህዝባዊ ወያናይ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመር ጥራሕ ምዃኑ እዩ ዝዋደቐሉ ዘሎ፡፡ ስለምንታይ እንተተብሃለ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ካልእ መማረፂ፣ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክራይ ኣካቢ ፖለቲካ ኢኮኖሚ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ተሞኪሩ ዝኸሰረ መስመር ጥፍኣት ምዃኑ ብተግባር ተራእዩ እዩ፡፡

ብሓፂሩ “ዑፍ ምስ መናፍርቱ ፣ ዱግሪ ምስ መፋግእቱ” ከምዝባሃል፣ ህዝቢ ትግራይ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን ህዝባዊ መስመር ዓትዒቱ ሒዙ፣ ንጉዕዞ ሕዳስኡ ዘሐንኩሉ ኩሎም ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን፣ ፀገማት፣ እናኣለየ፣ ንቕድሚት ብምምራሽ፣ ኣብ 1988 ዓ/ም ስሳን ሸሞንተን ሚኢታዊ /68%/ ዝነበረ፣ መጠን ድኽነት ናብ ዒስራን ትሽዓንተን ሚኢታዊ (29%) ክወርድ ገይሩዎ እዩ፡፡
ብሓፈሻ ህዝብና ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሩህ ጉዕዞ ህዳሰና ተጠቓማይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ኾይኑ እዩ፡፡ ብፍላይ ሰብን እንስሳን ተጠቃማይ ፅሩይ መስተ ማይ እናኾነ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ምስ ማረት፣ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ፣ ህዝቢ፣ዞባን ወረዳታት ምምሕዳርን ኢድን ጓንትን ብምዃን ፀገም ፅሩይ ማይ ንምፍታሕ ፃዕሩ ኣሐይሉ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ዓዲ ሃገራይ ተፈቲሑ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ማረት ምስ ገበርቲ ሰናይ፣ህዝብን ወረዳ ምምሕዳራትን ብምጥማር፣ ናይ ዕሸል ከተማ መረ-ሚኢቲ ፣ ዕሸል ከተማ ኩኩፍቶ፣ ዕሸል ከተማ ባላ፣ ከምኡውን “ሕቑን ሕቑን ኣብልዮ፣ ከም ጐደሎ ኣይኖ፣ ቁሌታ ዓዲኺ ማይ ልማኖ፣ ሓደ ሒዝኺ ከም ወዲ እኖ” ብዝብል ንዝተቖዘመሉ ፀገም መስተ ማይ ጣቢያ ማሩ፣ ወረዳ ራያ ዓዘቦ፣ እውን ተፈቲሑ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ 9ን 10ን ጥሪ /2012 ዓ/ም ብማረት ተሰሪሖም ዝተመረቑ ኣርባዕተ ፕሮጀክትታት ብድማር ልዕሊ ብር ሰላሳን ክልተን ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልየን /32.4 ሚልየን/ ወፃኢ ተገይሩሎም እዩ፡፡ እንተኾነ እዞም ፕሮጀክትታት ህዝቢ ባዕሉ በዓል ዋና ኮይኑ ከም ብልየን ዓይኑ ክሕልዎም ይግባእ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ መደብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን 2012 ብኣግባቡ ብምስታፍ ዕውት ተግባራት ክፍፅም ይግባእ፡፡

እንተኾነ “ዘራጊ እንተሎ መን ፅሩይ ማይ ይሰቲ” ከም ዝባሃል፣ ሎሚ እውን፣ ጠላማትን ከዳዓትን ምስ ሓይልታት ትምክሕቲ ግንባር ፈጢሮም ሰላሙ ውሕስ ገይሩ መንነቱን ድሕንነቱን ብምርግጋፅ፣ ኩለ መዳያዊ፣ ፀረ ድኽነት ቓልሱ ኣሓይሉ ህዝብና መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት ንምኽባር ኣብ ዝሸባሸበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፣ ንሳቶም ኣብ ኣ/ኣበባ፣ መቐለ፣ ካልኦት ከተማታት ሃገርናን ክልልና ሞቋ ሓዳሮም እናመርሑ፣ ብሽም ከባብያውነት ብፍላይ ወረዳ ይመለሰልና ብዝብል መደናገሪን ሓድነት ትግራይና ዝሽርሽር ድሑር ዓቀይታይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ከምኡውን፣ ብጉልባብ ሃይማኖትን ካልኦት ዱሑራት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ሰላም ህዝብና ንምዝራግ ሕርጊድ ይብሉ ኣለው፡፡ ስለዚ ህዝብና ነዚ እከይ ተግባር ውሑዳት ከይገወደ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክቐብሮ ከም ወትሮ ቀላፅሙ ክጠምር ይግባእ።

“ኣጅቦ ካብ ሕቋኑ ፣ ቖልዓ ካብ ብህፃኑ” ከም ዝበሃል ህዝቢ ትግራይ ነቲ መሪርን ነዊሕን ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ “ሀ” ኢሉ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ንኢህኣፖ፣ኢድህ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ውድባት ፈንፊኑ፣ ከምኡውን ኣብ ሕሉፍ 27 ዓመታት ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና፣ ብድማር ንዝሓለፉ 45 ዓመታት ልምዓታውን ዲሞክራሲያዊ መስመሩ ኣፅኒዑ ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ፣ ብሕታዊ መረጋገፂ ረብሕኡ፣ እዚ ህዝባዊ መስመር እዙይ ጥራሕን ጥራሕን እዩ ኢሉ ብዕሊ ኣለልዩ ብውነ ወሲኑ ስለዝተቃለሰን ይቓለስ ስለዘሎን እዩ፡፡ ነዚ እዩ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ሓደ ሓደ ሰባት ህዝቢ ትግራይ ደጋፊ ህወሓት ዝምረሐሉ ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መስመር እዩ ይብሉ፣እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ደጋፊ ልምዓታዊን ዲሞክራሲ ያዊን ህዝባዊ መስመር እንተይኮነስ በዓል ዋና ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን ህዝባዊ መስመር እዩ ክብል ዝገልፆ፡፡ ሰናይ ምድላው በዓል 11 ለካቲት ክኾነልና፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይምነ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፣
መቐለ፣15 ጥሪ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons