ከተማ ኣብ ትሕቲ መሬት

ኣብ ዝተፈላለዩ ድርሳናት ታሪኽ፣ መፅናዕታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ፅሑፋት “ትግራይ መሰረት ስልጣነ እያ” ዝብል ሓሳብ ተደጋጊሙ እንትፅሓፍን እንትዝረብን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡፡ ትግራይ ሕምብርቲ ስልጣነ ምንባራን ምዃናን ብስነ ኳዕቲ ዓበይቲ መረዳእታታት ስነ ጥንቲ እናተራኸቡ እዮም፡፡ ካብዚኣቶም “ኣብ ትሕቲ መሬት ከተማ ተረኺባ” ዝብል ዜና ኣግራሞት ይፈጥረልኩም ይኸውን፡፡ እቲ ዜና ግን ልክዕ ኮይኑ፤ እቲ ሓቂ ከምዚ እዩ፡፡

ማይ ኣድራሻ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ክልተ ኪሎ ሜትር ከይድካ ዝርከብ ቦታ እዩ፡፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ (ኣርኮሎጂስት) ብዘካየድዎ ኳዕቲ ኣብቲ ቦታ ጥንታዊት ከምዝተረኸበት ኣበሲሮም ኣለው፡፡

ጥንታዊ ከተማ ማይ ኣድራሻ ኣብ 1250 ቅድሚ ልድተ ክርስቶስ ማለት እውን ቅድሚ ስልጣነ ኣኽሱምን የሓን ዝነበረ ስልጣነ ምዃኑ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ከምዘረጋገፁ ዕላዊ ገይሮም ኣለው፡፡

እቲ ብምትሕብባር ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝተረኸበ ጥንታዊ ከተማ ብዙሓት ታሪኻዊ መረዳእታታት ክርከበሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ስለዝኾነ ኣብ ዙርያ እቲ ሓድጊ ዝርከቡ ሓረስቶት ግቡእ ካሕሳ ረኺቦም ክለዓሉ እናተሰርሓሉ ይርከብ፡፡

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥንታዊ ስልጣነን ዝሕብሩ በቢከባቢና ብዙሓት ሓይልታት ከምዘለው ይፍለጥ፡፡ ጥንታዊ ሕላገትና ዝገለፁ በቢ በቢከባቢና ዝርከቡ ሓድግታት ክንደየናይ ዝኣክል ንፈልጦም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons