እዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኹ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ እንምክተሉ፣ መበል 45 ዓመት ልደት ህውሓት እነኽብረሉን ከምኡውን ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ተወዲብና ቃልስና እነሕይለሉ ግዘ እዩ ተባሂሉ::

ማሕበራዊ ሚዲያ ንረብሓ -ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ምስ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ተረኺቦም መኽፈቲ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ፤ እዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኹ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ እንምክተሉን መበል 45 ዓመት ልደት ህውሓት እነኽብረሉን ከምኡውን ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ተወዲብና ቃልስና እነሕይለሉ ግዘ እዩ ኢሎም::

ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ሃለዋትን ደሕንነትን ማሕበረሰብ ሓሊፉ ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ዓብዪ እጃም ከምዘለዎን ኣብ ትግራይ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ እናተባራኽተ ምምፅኡ ኣብቲ ዘተ ተሞክሮ ዘሕለፉ ኣይተ ዳንኤል ብርሃነ ገሊፆም:: ብተወሳኺ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ንምቅይያርን ማሕበራዊ ፅገማት ንምፍታሕ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ ኣብቲ ዘተ ተሞክሮ ዘሕለፉ ጋዜጠኛ ግርማይ ገብሩ ሓቢሮም::

ካብ ጭብጢ ተበጊስካ ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ኣብ ምግዋሕ ፀገም ከምዘሎ እዙይ ንምስትኽኻል ድማ ጋዜጠኛታት ተወዲቦም ክቃለሱ ከምኡውን ልዕሊ ኩሉ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሰርሑ ከምዘሎዎም ጋዜጠኛ ግርማይ ገብሩ ገሊፆም::

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons