ዋዕላ ምክልኻል ”በረድ ሓጋይ ”ይሳለጥ ኣሎ።

ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ይካየድ አብ ዘሎ ዘተ ምክልኻል ብኽነት፤ ህዝቢ ትግራይ እንተሓቢሩ አንፃር ልምዓቱ፣ ሃለዋቱን ድሕንቱን ዝኾኑ ጎዳእቲ ባህልታት መኪቱ ልምዓቱን ሰላሙን ዉሑስ ንምግባር ዝዓግቶ ከምዘየለ ተገሊፁ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ ነቲ ዋዕላ ብዕሊ እንትኸፍቱ ኣብዘስምዕዎ ዘረባ፣ ካብ ሓይልታት ትምክሕቲ ብዘይንኣኣስ ንትግራይ ፈተናታት ኮይኖም ዘለዉ ትሻዓተ ጎዳእቲ ባህልታት ምኳኖም ገሊፆም። ብኽነት፣ኣካብነት ክራይ፣ግዕዝይና፣ስእነት ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን፣ከባብያዉነት፣ሃረፃን ጥንቆላን፣ዘይሕጋዊ ስደት፣ሓደጋ ትራፊክ፣ ፆታዊ ጥቕዓትን ሕማም ኤች አይ ቪ ኤድስን ምኳኖም ተዛሪቦም።

እዞም ጸገማት ግቡእ ምርድዳእ ጌርካ ንምዉጋድ ተዘይተኻኢሉ ድማ ንምንካይን ንምክልኻልን መሰረት ጌሩ ዝሳለጥ ዋዕላ ምኳኑ ሓቢሮም።

አብቲ ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ አብ ሸሞንተ ወረዳታት ዝተኻየደ ዳህሳስ፣ መሕትትን መሰረት ጌሩ ዝተርኣየ አብ ብኽነት ሃፍቲ ዘሎ ፀገም ብአይተ ሃይለኪሮስ ካሕሳይ ቀሪቡ ምይይጥ ይካየደሉ አሎ።

እቲ ሓደጋ ስነ ምጣንያዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ብኽነት ሃፍቲ “በረድ ሓጋይ” ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎ እዩ እቲ ምይይጥ ዝሳለጥ ዘሎ። አብቲ ዋዕላ ካብ ማሕበራት ሓፋሽ፣ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምልከቶምም መንግስታዊ ኣካላትን ይሳተፉ አለዉ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 13 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons