ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ብኽነት ንምውጋድ ንረባረብ !!

ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት፣ ኣንፃር ድኹዒ ድኽነት ንዝኾኑ ዝተፈላለዩ ድሑራት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን፣ ዘካየዶ ቃልሲ ብውሱን መልክዑ ውፅኢታዊ ኮይኑ እዩ።

እንተኾ’ነ ሎሚውን ፈፂሞም ዘይተወገዱ ትሽዓተ ሸግራት ማለት፣ ክራይ ኣካብነትን ግዕዝይናን፣ ከባብያውነትን ባንዳነትን፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ምጉዳል ፍትሕን፣ ሓደጋ ትራፊክ፣ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ፃታዊ ጥቕዓት፣ ኤች ኣይቪ ኤይድስ፣ ድሑራት ልምድታትን ብኽነትን፣ ከም ቁርዲድ ኣብ ጓጓና ተሸጒጦም ይዘርጉና ኣለዉ።

እዞም ብቐንዱ ካብ ኣተሓሳስባ ሽግር ዝነቕሉ፣ ፀገማት ነቲ ሎሚ፣ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ቅጥዒ ዝሰኣነ ፖለቲካዊ ኩነታት ድኹዒ ይኾኑ ኣለዉ፣ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና ዘስዕብዎ ፀገም ከቢድ ብምዃኑ ሕድሕድ ዜጋ ብዕቱብ ክቃለሶ ይግባእ።

ዓመት ዓመት፣ ወርሒ ጥሪ ዑደታ ሓልያ እንትመፅእ፣ ዕምሪ ድኽነት ኣብ ምንዋሕ ዝለዓለ እጃም ካብ ዝፃወቱ ሓደ ዓቐን ዘይብሉ ብፍሰስ ተፋሰስ እኽለማይ ዝግበር ብኽነት እዩ።

ከምዝፍለጥ ሓረስታይና ምህርቱ ንምስሳን ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጅታት ከምኡውን ብባህላዊ መንገዲ ዝተፈላለዩ ድኹዕታት ተጠቒሙ ክረምቲ ብኣስሓይታን ቁርን እናተሓንዘፈ ቀትርን ለይትን ረሃፁ፣ ጉልበቱ፣ ገንዘቡን ንዋቱን ሰዊኡ ዘዋህለሎ፣ ኮታስ ዓመት ሙሉእ ዝለፍዓሉ ምህርቲ ኣብ ቆፍኡ ኣብ ዘእትዎ ፅባሕ፣ ኣብ ሓንቲ ወርሒ ጥሪ ዝባኽነሉ ኩነታት ልሙድ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ:: እቲ ብክንደይ ድኻም ዝተኣከበ ምህርቲ ኣብ መርዓ፣ ተስካር፣ ክርስትናን፣ ካልኦትን ዝጠፍእ እክለማይ ማእለያ የብሉን።

እዚ ድማ ነቲ ምስ ድኽነት እነካይዶ ቃልሲ ዝፃባእ እዩ።. ስለምንታይ እንተተብሃለ፣ ኣብ ሕሉፍ 28 ዓመታት፣ ብሓደ ገፅ ድኽነት ንምጥፋእ ድግድጊት ተዓጢቕና ተረባሪብና ሎሚ’ውን ከምወትሮ ንረባረብ ኣለና። በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ፍሰስ ተፋሰስ ድግስ ብምክያድ ነቲ እነካይዶ ዘለና ፃዕሪ ብላሽ ክተርፍ ዝገብር ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከም ዘመላኽትዎ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝእከብ ምህርቲ እቲ 33 ሚእታዊ ብዘይኣግባብ ዝባኽን እዩ:: ከምኡ’ውን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ፣ እቲ ዝለዓለ ብኽነት ዝካየድ ኣብ መርዓን ተስካርን እዩ።

ብቅደም ሰዓብ እንትረአይ ድማ ኣብ መርዓ እንተነኣሰ 5 ከፍቲ ይሕረዱ፤ 20 በርሚል ስዋ ይፅሞቕ፣ 30 ኩንታል እንጀራ ይስንከትን 50 ሽሕ ብር ንሽልማትን ገዝምን ወፃኢ ዝግበረሉ ኩነታት ብሰፊሑ ይረአይ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ ተስካር 10 ከፍቲ ይሕረዱ፣ 20 በርሚል ስዋ ይፅሞቕን፣ 15 ኩንታል እንጀራ ይስንከት። ስለዝኾነ ህዝብና ኩሎም መድረግቲ ኣካላትን ዕሙቀት እቲ ሽግር ተረዲኦም፣ ኣብዚ ዓመት ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ፣ ብውሑድ ነቲ ብኽነት ንምንካይ ካብ ብጉሓቱ ኢሂን ምሂን ተበሃሂልና ክንፈትሖን ይግባእ።

እቲ ኣብ ቅድሜና ዝፅበየና ዘሎ ዓብዪ ፅምብል፣ መበል 45 ዓመት ልደት ህዝቢ ትግራይ፣ 11 ለካቲት፣ ሕድሪ ዘሸከመና ኩለመዳያዊ፣ ስሉጥ ልምዓት ንምምዝጋብ’ምበር ንብኽነትን ንምጥፍፋእን ኣይኮነን። አሓትናን አሕዋትናን 60 ሽሕ ናይ ህይወት መስዋእቲ፣ 100 ሽሕ መጉደልቲ ኣካል ዝኸፈሉ፣ ባህሊ ዕቋር ኣደንፊዕና ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ እምበር ብድኽነት ተቖሪንና ክንነብር ኣይኮነን።

እቶም ሕዚ ኣብ ዓለምና ብቑጠባ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ምዕባለ በፂሖም ዘለዉ ሃገራት ንብኽነት እናተፀየፉ፣ ንፅባሕ እናሓሰቡ ስለዝሰርሑ እዮም ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሪዖም፣ ሎሚውን ዓለምና ኣብ ትሕቲኦም ንምእታው ዝረባረቡ ዘለዉ።

ቅድሚ ሓምሳ፣ ስድሳ ዓመታት ህዝበን ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝነበራ፣ ከም እኒ ታይዋን፣ ደቡብ ኮርያን ቻይናን ወዘተ ውን ነታ ዘላቶም ሃብተ ገነት ዓቚሮም ብኣግባቡ ስለዝተጠቐሙ፣ ድኽነት ስዒሮም ናብ ራህዋን ቅሳነትን በፂሖም፤ በዚ ድማ ኣብነታውያን ኮይኖም ይርከቡ።

ብፍላይ ቻይና ባህሊ ምዕቋር ስለዘማዕበለት ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ 400 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ፀፍሒ ድኽነት ክወፅእ ብምግባር መርኣያ ዓለም ኮይና እያ። ሎሚ ቻይና ባህሊ ዕቋር ስለዘማዕበለት ድማ ንኣሜሪካን ኣውሮፓን ቀንዲ መለቅሒት ኮይና ኣላ።

ብሓፂሩ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ባህሊ ዕቋር ኣማዕቢልና ሃብተ ገነትና ኣብ መዓልኡ ከየውዓልና፣ ዝርካቡ እኽለማይ ብምጥፋእ ዘላቒ ልምዓት ብምርግጋፅ ካብ ድኽነት ምውፃእ ኣይከኣልን። ብምዃኑ መንነትን ድሕንነትን ትግራይና ብምርግጋፅ፣ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብን ዘለና ብሕታዊ መማረፂ፣ብኽነት ንምውጋድ ብዕቱብ ምርብራብ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ብኽነት ብምንጋፍ ኣብ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት እጃምና ከነወፊ ኣለና። ንተስካር፣ ንመርዓ፣ ምረቓን ወዘተ እነውፅኦ ወፃኢታት ብምቕናስ፣ ኣብ ሰናይን ዘላቕነት ኣብ ዘለዎን ተግባር ክንሳተፍ ይግባእ።

ብፍላይ “’ትግራይና ሕብረትና ጥራሕ ይቕይራ- ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ 11 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም፣ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ፣ ዘዳለዎ ሃብቲ ናይ ምትእክብ ቴሌቶን እጃምና ብምውፋይ ኣብነታዊ ተራና ንፃወት።

ብሓፈሻ ህዝብናን ኩሎም መድረግቲ ኣካላትን ብፍላይ መንእሰይ ትግራይና ብንቕሓት ክረባረብ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒት እንተቕርብ፣ ኩላትና ብኽነት ንምንካይ ብውነን ወነን ከምእንንቀሳቐስ ብምትእምማን እዩ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስት ክልል ትግራይ
መቐለ: 9 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons