ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ኣንፈቱ ከይስሕት መንግሰቲ፣ ፖለቲካዊ መራሕትን ኣህጉራዊ መሻርኽትን ዘድሊ ሓገዝ ክገብሩ ኢነተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ፀዊዑ።

ኣብ ዓለም ዝፍጠሩን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቅልውላዋትን ዝከታተል እዚ ጉጅለ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ፀብፃቡ ብፍላይ ቅድሚ ምርጫ 2012 ክትግበሩ ኣለዎም ዝበሎም ነጥቢታት ዘርዚሩ።

ኣብ ኢትዮጰያ ዘሎ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ተስፋ ዝፈጠረ’ኳ እንተኾነ፡ ሓደገኛን ኸፋፋልን ኩነታት ዝሓዘለ’ዩ ክብል ገሊፁዎ።

እቲ ጉጅል ከም ዝበሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተወለዐ ተቓውሞ ደም ምፍሳስ ከም ዘስዓበ ጠቒሱ፣ እቲ ቐዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብዝተልዓሉ ጎንፅታት ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ሚልዮናት ከም ዝተዘናበሉ ኣመልኪቱ።

ብተውሳኺ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝሓለፉ ዓመታት ንብሕቱ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ ኢህወደግ ንምልዋጥ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል ከስፍሖ ይኽእል’ዩ ይብል።

እዚ ድማ፡ ብመንጽር እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን መሓዙቱን ዘካይዱዎ ዘለው ለውጢ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኦሮሚያ ዘለው ጉጅለታት ከምኡ’ውን፡ ኣመራርሓ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ፡ ክሃድኡ ኣለዎም ኢሉ።

“ነገራት በዚ ዝቕጽሉ እንተኾይኖም ግን፡ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ክዝንግዕ ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሰልጣን ምስ መጽአ፡ ዝወሰዶም ስጉምታት እቲ ዝነበረ ስርዓት ብምውጋድ፡ ዓቕሚ መንግስቲ ክዳኸም ገይሩ’ዩ ይብል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ጸብጻቡ።

እዚ ድማ ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ህዝባዊ ተቃውሞ ዘለዓዐሎ ምንቕስቓስ ብሄርተኘነት “ሓዱሽ ሓይሊ ክረክብ ገይርዎ” እዩ ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ድማ፡ ሕጹያት ካብ ዝመፅሉ ብሄር ድምፂ ንምርካብ ንሕንሕ ስለ ዘካይዱ ጎንፅታት ክፍጠሩ ከም ዝክእሉ ስግኣቱ ገሊፁ።

ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ፀብፃቡ፡ ብፍሉይ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝበሎም ኣርባዕተ ኩነታት ጠቒሱ ኣሎ።

ፈለማ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝመጽአሉ ክልል ኦሮሚያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ተነሓናሕቱን ብጾቱን ከይተረፉ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ረብሓ እቲ ክልል ኣብ ምኽባር ክሰርሕ ከም ዘለዎ እዮም ዝኣምኑ ይብል።

ካልኣይ ማሕለኻ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ጉዳይ ኣዲስኣበባን ካልኦትን ዘሎ ንሕንሕ’ዩ።

እቲ ሳልሳይ፡ ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ተኸሊሎም’ዮም ዝበሃሉ ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘሎ ውጥጥ ከምኡ’ውን፡ ኢህወደግ ይፈርስ’ዩ ዘሎ ኢሎም ቅርታ ዘቕርቡ ኣመራርሓ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘለዎም ተቓውሞ ቀንዲ ፈተናታት ምኻኖም ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።(ፍልፍል  ቢቢሲ ትግርኛ)

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons