እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኩላትና ክንቃለስ ኣለና ንዓና (ንሓደ ውድብ) ጥራሕ ክግደፍ የብሉን።

እቶም ሕዚ ለውጢ ኣምፂእና ዝብሉ ዘለዉ ቅድሚ ሕዚ ናይ ህወሓት ተለኣኣኽቲ ከምዝነበሩ ይገልፁ ኣለዉ፤ ንሕና ግን ተለኣኣኽቲ ምንባሮም ሕዚ ከምኡ እንትብሉ ኢና ንርዳእ ዘለና። ሕዚ ኸ ይለኣኣኹ ዘይምህላዎም እንታይ መረጋገፂ ኣሎ?

ሓደ ሰብ፣ ከም ሰብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ክብሪ ኣለዎ ከም ፖለቲከኛ ድማ ተወሳኺ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ስለዘለዎ ካልእ ተወሳኺ ክብሪ ክህልዎ ይግባእ። ስለዚ ተለኣኣኺ ምኻን ከቢድ እዩ። ብስሩ እውን ዝገርም እዩ፤ ብውልቀይ ብጣዕሚ እዩ ዝገርመኒ።

ተለኣኣኽቲ ኢና ኔርና ዝብሉ ዘለዉ ሓላፍነት ንዘይምውሳድ እዩ፤ ብጣዕሚ ዝወረዱ ስለዝኾኑ ሕዚ እውን ንሓላፍነት ይበቕዑ እዮም ምባል ኣይከኣልን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ይኹን ሕዚ መድረኽ ተዳልዩ ዘሎ ንፕሮፖጋንዳ ኣይኮነን፤ ፌደራላዊ ስርዓት ናይ ባዕልና እዩ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊልዎ ዝመፀ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ ጉዳይ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ህወሓት ንምንታይ ንሃገራዊ ኩነታት ገዲፉ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣተኲሩ ዝብል ሓሳብ ተልዕሉ ኣለኹም። ሱቕ ዝበልና ክመስለኩም ይኽእል ግን ሱቕ ኣይበልናን፤ ንሰርሕ ኢና ዘለና። ኣብ ትግራይ እውን ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ ንምስትኽኻል ንሰርሕ ኣለና። ካብ መጀመርትኡ እውን ናይ ምደባ ለውጢ ኢና ጌርና። ኣብ ትግራይ ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ስለዘለዉ ንዕኦም ንምስትኽኻል ንስራሕ ኢና ኢልና።

ባዕሉ እቲ ፌደራል መንግስቲ ዝተደፍኡ እውን ኣለዉ እዮም። ነዛ ሃገር ብዙሕ ዝለፍዑ ክባረሩ ተገይሩ እዩ። ስለዚ ባዕልና ዝመፃእና እውን ኣለና ብዙሓት ድማ ካብ በቢትካሉ እናተኣረዩ ዝተደፍኡ ኣለዉ። ንናይ ደገ ሓይልታት ዝተኸፈተ በሪ ንዓና ዝተዓፀወሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ኩሉ ግዜ ከምኢ እናተኣከብና ካብ ንፈላለ ድማ ፎረም ፌደራሊስት ሓይልታት ክጣይሽ ኣለዎ።

ም/ር/ም/ብ/ክ/መ/ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ካልኣይ ዙር ምድሓን ሕገ-መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ኣብ ዘስምዕዎ መዕፀዊ መደረ ካብ ዝተዛረብዎ

24 ሕዳር 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons