ሃለዋነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መልክዑ ብፍላይ ከዓ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣብ 2012 ዓ/ም ከም ዝሰርሕ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንትን ምርግጋፅን ውሕስነት ምግቢ ከተማታት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንትን ምርግጋፅን ውሕስነት ምግቢ ከተማታት ክልል ትግራይ ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ገ/መድህን ሓጎስ ከም ዝገለፅዎ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ መንግስታዊ ስራሕትና ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ምስ ዝምልከቶም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምውዳድ ለውጢ ንምምፃእ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና ኢሎም፡፡

ኣብ 2011 ዓ/ም 104ሽሕ ዝኣክሉ ዜጋታት ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ትልሚ ሒዙ እዃ እንተነበረ ምስ ዝተወሰኑ ክፍተታት ካብ ትልሚ ንላዕሊ 75ሚኢታዊ መናእሰይን 25 ሚኢታዊ ካሊእ ክፋል ሕ/ሰብ ናብ ስራሕ ኣእቲና ኢና ኢሎም ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ 2012ዓ/ም ኣብ 2011ዓ/ም ዝነበሩ ክፍተታት ብምእራም 180 ሄክታር መሬት መስርሕን መሸጥን ቦታ ንምሃብን ብፍላይ ኣብ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ክፍትሑ ዝግበኦም ፀገማት ንምፍታሕ ትኹረት ሂብና እናሰራሕና ንርከብ ኢሎም፡፡

ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስእነት ስራሕ ንምቅናስ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣጋቢ ብዘይምዃኑ ኣብዚ ዓመት ናይ ደቂ ኣነስትዮ ተሳትፎ ንምዕባይ 60 ሚኢታዊ ንኽኸውን ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምግቢ ውሕስና ዝተሰርሐ ስራሕ ኣዕጋቢ ብዘይምዃኑ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ 12 ሺሕ ዝኣኽሉ ዜጋታት 16 ሚኢታዊ ቀጥታ ተሓገዝትን 84 ሚኢታዊ ድማ ሰሪሖም ብስድርኦም በዝሒ ተጠቀምቲ ዝገብር ስራሕ ንምስራሕ እናሰራሕና ንርከብ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ እውን ኣብ 2011 ዓ/ም ብዝተገበረ መፅናዕቲ ልዕሊ 8ሺሕ ብዘይ ኣግባብ ዝተትሓዙ ሼዳት ከም ዘለዉ ዝሕብር ኮይኑ እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብዚ በጀት ዓመት እቲ ዝተትሓዘ ሼዳት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ንተጠቀምቲ ክበፅሕ ክንሰር ኢናኢሎም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ 13 ሕዳር2012 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons