ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 

ትማሊ፣ ሎሚ፣ ይኹን ፅባሕ ወይከ ፈተኽ ካብ መትከልና!

ብህወሓት ዝተመርሐን እናተመርሐ፣ ዘሎን ሕሉፍ ናይ ቃልስን መስተንክራዊ ዓወታትን፣ ጉዕዞ 45 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ፣ ብዙሕ ዓቐብ፣ቁልቁል፣ ምውራድን ምድያብን ዝበዝሖ፣ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥራውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት የጓንፍዎ ነይሮም እዮም፤  ሎሚ’ውን የጓንፍ ኣሎ። እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ በቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ሽግራት ከይተሰኮነን ብብድሆታት ከይተንበርከኸን፣ ፈታውን ፀላእን ዝፈልጦ ዘይሃስስ ዘልኣለማዊ ታሪክ ብደሙ ፅሒፉ እዩ።

 

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ፣ ካብ ኩሎም ወራራት፣ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ማለት፣ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝነበረ፣ 8 ወራር፣ ወታደራዊ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ማእለያ ዘይብሉ ጨፍጫፍ፣ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ድርቂ ዘስዓቦ ከቢድ ፀገም፣ ህዝብና ዝለሓስን ዝጥዓምን ስኢኑ ብጥምየት፣ዝሃለቐሉ፣ ደርጊ ድማ ነዚ ኹነታት ተበሊፁ “ዓሳ ንምሓዝ፣ ባሕሪ ምድራቕ” ብዝብል ብሂል፣ ህዝብና ኣብ ርእሲ ጥምየቱ፣ ብምድርን ብኣየርን ብደብዳብ ዝጨፍጨፎ፣ ከምኡ’ውን፣ብኣስገዳድ ድማ ናብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮዽያ ”ንሰፈራ” ወሲዱ ኣደዳ ኣራዊትን ዓሶን ዳሪግዎ ነይሩ እዩ፣ ብሓፈሻ እዞም ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ሽግራት፣ዋላ ዘጋጥሙ እንተነበሩ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብ መትከሎም ፈተኽ ኣይበሉን። ብሓፂሩ ኣብቲ እዋን እቲ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ ተሞክርኡ እናተምሃረ ንዝገጥሙዎ ፈተናታት እናመከተ፣ ንዝተፈላለዩ  ብድሆታት ፈንፂሑ ዓወት፣ኣብ ርእሲ ዓወት ከበስር ዝበቕዐሉ፣ ቀንዲ ምሽጥር ኣብ ፅኑዕ ዕርዲ ልምዓታውን ዴሞክራስያዊ መስመር ስለዝዓሰለ እዩ።

 

ኣብዚ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመርናን ኣጋጢሞም ዘለዉ ፀገማት ብትሕዝቶኦም እንትረአዩ፣ ምስቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ኣጋጢሞምዎ ዝነበሩ ተመሳሳልነት ኣለዎ፤ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። እዚ ሓቂ ካብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ፣ዝተርኣዩ ኩነታት ብቐሊሉ ምርዳእ ይከኣል። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ህዝብና ዝምረሐሉ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ንምቕባር ካብ ውሽጥን ደገን ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ትምክሕቲ ቀትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ህርዲግ ዝብልሉ፤ ብዋናነት ንባዕሉ “ናይ ለውጢ ሓይሊ” ኢሉ ብምስያም ናይ ፌደራል መንግስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ብምድንጋር፣ብፀረ ዴሞክራስን፣ሕጋውነት ዘይተኸተለ ኣገባብን፣ “ውሁድ ፓርቲ” ይምስርት ኣለኹ ዝብለሉ፣ ኹነታት እንትንዕዘብ ዕስለ ኣንበጣን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ዘራእቲ ህዝብና ንምብልሻው ብስፍሓት ዝተርኣየሉ፣ ኩነታት እንትንዕዘብ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ህዝብና ቅድሚ 25 ዓመታት ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም የዘኻኽረና። ብፍላይ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ መስመር ተቐቢልና እናበሉ ዝፀንሑ ሓይልታት፣  ንደንበ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ዝኸሓዱ ጠላማት፣ ህዝቢ ትግራይ ኩምራ ፀገማት ክደራረቡዎ እሞ ክስኮን ንምግባር፣ እቲ ኣሎ ዝበሃል ሕማቕ ተግባር ፈፂሞም፣ይፍፅሙ’ውን ኣለዉ። እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ዋላ ዝመፀ ይምፃእ ፀበባ፣ “ኣብ ልምዓታውን ዴሞክራስያዊ መስመር ኮይኑ ነቶም ሽግራት ንምስጋር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ኣለኒ” ካብ ዝብል ነቕ ዘይብል መትከላዊ እምነት፣ ብትዕግስትን ኣስተብህሎን፣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ነቶም ፀገማት እናመከተ ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት እናጨበጠ ይርከብ። ህዝብና ኣብ ጎኒ ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት ዓሲሉ  ከም ኣርቃይ ረቢቡ ኣንፃር እቶም ሰላሙ ንምዝራግ ተላዒሎም ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕትን ተለኣኣኽቶም ዝኾኑ ባንዳታት ኮነ ካልኦት ተፈጥራዊ ፀገማት ዝቃለስ ዘሎ።

 

በዚ ኣጋጣሚ ህዝብና ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ተወዲቡ ንዕስለ ኣንበጣ የሻል ከምዘበሎ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ’ውን ዘራእቲ ሓረስታይና ከየበላሹ ኣብ ዓፂድን ዓውድን ኣብ ምእታውን ክሸባሸብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንመላእ ህዝብናን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ፃውዒቱ የቕርብ።

 

ብሓፈሻ ናይ ፌደራላዊ መንግስቲስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብሽም ውህድ ፓርቲ ፌዴራላዊ ስርዓትና ንምፍራስ ዝኣለሞ ሽርሕታት ካብ ጊሓቱ ዝተረደኣ መሪሕነት ህወሓት፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ብሕግን ታሪክን ዘሕትት፣ ዘሕትት ኣካይዳ ኢደይ ኣይሓውስን ኢሉ ዝወሰዶ ሕጋዊ፣ ሳይንሳውን ቅኑዕን መርገፂ ብዘይካ ውሑዳት ጠላማት ባንዳታትን፣ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ትግራይ ፣ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ንመርገፂ ውድብ ህወሓት ደጊፉ ትማሊ፣ሎሚ ይኹን ፅባሕ ወይከ ፈተኽ ካብ መትከልና፣ ብምባል ንዘስምዖ ዘሎ ድምፅን ዝህቦ ዘሎ ሰላማዊ፣ሕጋውን፣ ህዝባውን ደገፍ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ናእዳን ክብርን ብዝለዓለ ሓበን እንትገልፅ፣ ህዝቢ ትግራይ ብመልክዕ “ሰራዊት ልምዓትን መኸተን” ተወዲቡ ዝገብሮ ኩለመዳያዊ ቃልሲ፣ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ፣ ብመስዋእቲ ደቁ ዝተሃነፀ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ መስመሩ ዓትዒቱ ሒዙ ከም ወትሮ ኩለመዳያዊ ብሱል ኣመራርሓ ከምዝህብ እንተፍልጥ፣ ዓወት ድራሩ ህዝብና ኣብዚ ንኡስ መድረኽ’ውን ፍሉይ ታሪኽ ከምዘመዝግብ ብምትእምማን እዩ።

 

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ

12 /ሕዳር2012 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons