ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲ ግንባር /ኢህወደግ/ ን11 ሕዳር 2012 ዓ/ም ኣብ ዝፀውዖ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ፡፡

ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ 6 ሕዳር 2012 ዓ/ም ኣብ ውፅኢት መፅናዕቲ ውህደት ንምዝታይ ኢሉ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ኣጀንዳ ስሒቱ ብሕጊ ኣብዘይተውሃቦ ሓላፍነት ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ኢህወደግ ውህደት ክፍፅማ ብኣብዝሓ ድምፂ ወሲኑ እዩ፡፡

እቲ ውሳነ ስዒቡ ድማ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ውህደት ንክውስን ንሕዳር 11/2012 ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ፡፡ እቲ ፃውዒት ኣኼባ መሰረት ገይሩ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ውህደት ዘትዩ ክውስን ሕጋውን ፖለቲካውን ሓላፍነት ከምዘይብሉ ደምዲሙ ኣሎ ክብል ናብቲ ግምባር ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣመላኺቱ፡፡

ህወሓት ኣብቲ ዝፀሓፎ ደብዳበ ፤ ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ኣብ ውፅኢት መፅናዕቲ ውህደት እቲ ፖርቲ ኣመልኪቱ ንምዝታይ ዝሓዞ ኣጀንዳ ገዲፉ ናብ ውህደት ንሰጋገር ኢሉ ዘሕለፎ ዘይሕጋዊ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ኢህወደግ ንክድገም ይግበር ብምህላዉን ብተወሳኪ ድማ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ክዝትይ ተወሲኑ እናሃለወ ምንም ዓይነት ዘተ ከይተገበረ ብተብተብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምፅውዑ ኣድላይ ኣይኮነን ይብል ፡፡

ከምኡውን ብምክንያት ውህደት ህወሓት ንምፍራስ ዘክእል ሕጋዊ ሓላፍነት ስለዘይብልና ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ተረኺብና ናይ ህወሓት ምውሃድ ክንውስን ከም ዘይኽእልን መፃኢ ዕድል ህወሓት ዝውሰን በቢደረጅኡ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ብጉባኤ ህወሓት ጥራሕ ብምኳኑ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ ክንሳተፍ ከም ዘይኽእል ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ:10 ሕዳር 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons