ማሕበር ዓለም ለኸ ትካል ዘላቒ ልምዓት ስዊድንን ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ትግራይን ጎሓፍ ብዝግባእ ናብ ረብሓ ንምውዓልን ሓምለዋይ ከባቢታት ትግራይ ንምፍጣርን ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ፕረዚዳንት ማሕበር ዓለም ለኸ ትካል ዘላቒ ልምዓት ስዊድን ኣይተ ቶም ጆን እዚ ማሕበር ካብ ዝምስረት 20 ዓማውቲ ከም ዝገበረን ኣብ ዕብየት ቁጠባ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝፀንሐን ድሕሪ ምግላፅ ራኢ እዚ ማሕበር ንምዕዋት ምስ ዕላማታትን ራእይን ኢትዮጵያ ተጠዓዒሙ ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ስራሕ ንምጅማር ምውሳኑ ኣረዲኦም፡፡

˝ካብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብዕቱብ እናተሰረሐሉ ዝመፀ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ካብ ምርካብ ሓሊፉ ንሽልማት ወርቂ ሜዳልያ ̕ውን ዘብቀዐ እዩ ̋ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ሎሚ ዓለም ብብኽለት ኣየር እንትሕመስ ትግራይ ነቲ ዝፀንሐ ተሞክርኣ ተሞርኲሳ ልሙዕ ከባቢ ንምፍጣር ኣጠናኺራ ክትሰርሐሉ ምዃና ገሊፆም፡፡ ˝እዞም ማሕበር ዘላቒ ልምዓት ንምፍጣር ንክሰርሑ እንትሓስቡ ብተኣማንነት ክትሰርሐሎም እትኽእል ዓዲ እንትረኽቡ እዮም ˝ ዝበሉ ዶ/ር ኣትንኩት፣ ትግራይ ነዚ ዕላማ ንምስኻዕ ብብርኪ ኢትዮጵያ ኣብነት ኮይና ብምርካባ ዘኹርዕ ብምዃኑ ዕውትነቱ ንምስኻዕ ጠንኪሮም ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ስምምዕ ጎሓፋት ኣብ ረብሓ ውዒሎም ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ንዘሎ ፀገም ሕፅረት ፎስፎረስ ኣብ ምቕራፍ፣ ከም ኮምፓስ ፣ባዮ ጋዝን ካልኦት ረብሓ ዝህቡ ውፅኢታትን ኣብ ምስራሕ ኢሉ ̕ውን ኣብ ምርግጋፅ ፅባቐ ከተማታት ትግራይን ምፍጣር ዕድል ስራሕ ሕ/ሰብን ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዎ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም፡፡ስለ ዝኾነ ይብሉ ዶ/ር ኣትንኩት ኣብ መንጎ ትግራይን እዞም ማሕበርን ምርድዳእ ፈጢርካ ዝስራሕ ብምዃኑ ንመፈፀሚ እዞም ስራሕቲ 70% በቶም ማሕበር 30% ድማ ብመንግስቲ ትግራይ ከም ዝሽፈን ኣረዲኦም፡፡

እዚ ስራሕ በዞም ማሕበር እዚኦም ጥራሕ እንተይኮነስ ምስ ካልኦት መሰል ማሕበራትን ትካላትን ተጣሚርካ ከም ዝስራሕ ̕ውን ዶ/ር ኣትንኩት ገሊፆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡08 ሕዳር 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons