“ምስጋና ንህዝብና!! መተሓሳሰቢ ንዘይሕጋውያን!!

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፈተና ፈተና ዋላ እናተደራረቦ ንኹሉ ብትዕግስትን ብኣዞን እናገጠመ ኣብ ምምካት ዩ ዝርከብ።ብፍላይ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስራሕ ተዋፊሩ ሂወቱ ክመርሕ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ካብ ሓይልታት ትምክሕቲ ንዝመፆ ፈተና ኣብ ምምካት እንተሎ ጊዜ ከይሃበ ዕስለ ኣምበጣ እንትስዕብ ብዘገርም ምትዕፅፃፍ ነቲ ዕስለ ምስ ትምክሕቲ ሓዊሱ ብምህሟኽ ዓወት ሓፊሱን ኣብ ምሕፋስ ይርከብን።

እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ ሐዚ ድማ ሃፍትን ተስፋን ክልልና ኣብ ዝኾነ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ባርዕ ተፈጢሩ ጉልበት መንእሰይና ክፍትን ተወሳኺ ፈተና ኮይኑ።ኣብዙይ ውን መላእ ህዝብና ብሶሻል ሚድያ ሓበሬታ ድሕሪ ምልውዋጡ ኣብ ቀረባ ዝተረኸቡ መናእሰይ ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ምስ መላእ ህዝቦም ብምዃን ተረባሪቦምን ኣብ ምርብራብ ይርከቡን።እዚ ባርዕ ኣብ ምቁፅፃር ንዝኸተተ መላእ ህዝብና ልዑል ምስጋና ክነቕርብ ንፎቱ።

ኣብዙይ ክልዓል ዝግብኦ ኣገዳሲ መተሓሳሰቢ እምብኣር
1/ኣብ ውሽጢ ቲ ፓርክ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ወርቂ ኣብ ምውፃእ ዝርከብ ሓይሊ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብቲ ፓርክ ክወፅእ ይግባእ።ምኽንያቱ ድማ ብሽም ወርቂ ምውፃእ ብዝኩዓት ኳዕቲ ስነ ሂወታዊ ብዙሕነት እቲ ፓርክ ብዘሕዝን ኩነታት እናተመናመነ ይርከብ:እቲ ዝተረፈ ድማ ወርቀኛ ምግቢ ንምድላው ኢሉ ብዝእጉዶ ሓዊ ከምቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓይነት ባርዕ ሓዊ እናጋጠመ እቲ ፓርክ እናርኣናዮ ኣብ ምጥፋእ ይርከብ።
2/ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብወፈር ዘመት ዝመፅእ ዘይሕጋዊ ሓረስታይ ውን ካብ ዘይሕጋዊ ናይ ወፈር ዘመት ተግባራቱ ክቑጠብን ስርዓት ከኽብርን ይግባእ።እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሕጋዊ ሓረስታይ ዘልዕሎም ሕጋዊ ሕቶታት ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝረክብ ድማ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ምክልኻል ተሓባባራይ ክኸውን ኣለዎ።
3/ኣብ ውሽጢ ቲ ፓርክ ዝርአ ስፍሕ ዝበለ ዘይሕጋዊ ፈሓም ናይ ምፍሓም ተግባር ብናይ መላእ ህዝብና ክትትል ጠጠው ክብል ዝግብኦ ተግባር ዩ።
4/ኣብ ውሽጢ ቲ ፓርክ ዝፍፀም መዓር ናይ ምምዓር ተግባር ውን ካሊእ ጥቡቕ ቁፅፅርን ክትትልን ክግበረሉ ዝግባእ ዘይሕጋዊ ስራሕን ናይ ባርዕ መበገስን ስለ ዝኾነ ኩልና ብሓባር ክንኩንኖን ክንከላኸሎን ዩ ዝግባእ።ኣብዞም ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ትሳተፉ ዘለኹም ወገናት ምእንተ ልዕልነት ሕግን ምእንተ መፃኢ ብሩህ ተስፋ ወለዶታት ትግራይን ክብሃል ሕግን ስርዓትን ክተኽብሩ ናይ ሕግን ናይ ሞራልን ግቡእ ኣለኩም።መላእ ህዝብና ድማ ከምቲ ንዘጋጥም ዘሎ ተኸታታሊ ናይ ሰብ ስራሕን ናይ ተፈጥሮን ፈተናታት ንምምካት ዘርኣኻዮ ዘሕብን ምንባብን ምውዳድን ኣብ ምድሓን ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ውን ክትደግሞ ፃውዒትና ነቕርብ።”ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ።
መቐለ ፡27 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons