ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅልኣት ክሓድር ዝገብራ ፣ድሌት ህዝቢ ዘየማልኣን ንሕጊ ሚድያን ኣዋጅ ብሮድካስትን ዘይግዝኣ ሚድያታት ብሕግን ብታሪኽን ተሓተትቲ ምዃነን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ኣፍሊጠን ።

“ሚድያ ሃገርና ብመንፅር ህዝቢ” ብዝብል ስያመ ብኣሰናደኣይነት በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ሓገዝ ዩኤንዲፒን ዝተሰናድአ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ወይዘሮ ሊያ ካሳ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓወታት ሚድያታት እዛ ሃገር እጃመን ከምዝተዋፅኣ ብምዝኽኻር ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን ኣብዛ ሃገር ዜጋታት እናተቐትሉ ፣ እናተመዛበሉ ኣውራ ሓበራዊ መንገድታት እናተዓፀው ከምዘይረኣያ ወይ እውን ነኺአን ዝሓልፋሉ ኩነታት ከምዘሎን ይትረፍ ፀገማት ከቃልሓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፀለመ ከካይዳ ፀኒሐን እየን ኢለን።

ጉዳይ ቤትፍርዲ ንምዝባዕ እንትፍትና: ብዶክመንተሪ ፊልሚ ዘርኢ ምጥፋእ ዝእውጃሉ ኩነታት ከምዘሎን ንሕግን ንሞያዊ ስነምግባርን ክግዝኣ ከም ዝግባእ እውን ኣብቲ ካብ ፌደራልን ክልልን ዝተወጻጽኡ ሰብ ሞያ ሚድያን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ዝተረኸቡሉ መድረኽ ተዛሪበን።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ክላተም :ከም በዓል ኢሳት ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዊ መጥፋእቲ ዝኣወጁ ሚድያታት ከድላየን ክኾና ዕድል ፈጢሩ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ሊያ እዘን ሚድያታት ብሕግን ታሪኽን ተሓተቲ እየን ኢለን ።

እተን ሓላፊት ቢሮ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጓንፁ ፀብፃባት ዝፍንዋ ኣብዛ ሃገር ዘለዋ ሚድያታት ካብዚተግባረን ክቑጠባን ዝምልከቶ ኣካል ድማ ቁፅፅር ክገብረለን ይግባእ ኢለን ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡17 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons