ዕለታዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

=========================================

#ዝኾነ ዕስለ ካብ ቕልፅም ህዝቢ ትግራይ ኣየምልጥን!!

“ሰራዊት ልምዓትን መኸተን” ብምህናፅ ኣብ 2012 ዓ/ም ኩለ መዳያዊ ዓወት ንምምዝጋብ ኣድላይ ምድላዋት ዝገብር ዘሎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ዝኾነ ዕስለ ናይ ምምካት ተኽእሎን ዓቕምን ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ዘይሰግሮም ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት ከምዘየለዉ ብምትእምማን እዩ::

ብምዃኑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ደቡባዊ ዞባ፣ ደቡብ ምብራቕን፣ ምብራቕ ትግራይን ዝዓሰለ ኣንበጣ በረኻ ፣ ብሓፈሻ ህዝብና፣ ብፍላይ ደገፍቲ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ጋንታ መቐለ70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፣ ስሑል ሽረ፣ መናእሰይን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም፣ ጋዜጠኛታትን ሙያተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይን፣ ሰብ ባጃጅ ዓዲጉደም ሓዊስካ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ መንግስትን፣ ውልቀ ትካላትን ብዓርሰ ተበግሶ፣ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ እኽለ ማይ ተሸኪምክን ዘርኣኽንኦ ተወፋይነት እንኳዕ ካባኽን ተፈጠርና፡፡ ብድማር ህዝብና ነቲ ዕስለ ኣንበጣ፣ ንምምካት ዝገበርኩምዎ ምርብራብ፣ ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ናእዳን ምስጋናን ብሽም ህዝቢ ትግራይ እንተቕርብ ዝለዓለ ሓበን ይስምዖ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተዓመሙ መደባት’ውን መላእ ህዝብና ቐላፅሙ ጠሚሩ ከም ዘዕውቶም፣ እዚ ሰናይ ተግባርኩም ጭቡጥ ምስክር እዩ::

ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዘለኻ ዲያስፖራ ትግራይ’ውን ዕስለ ኣንበጣ ናብ ትግራይ ኣትዩ ምስ ሰማዕኻ፣ እንታይ ክንሕግዝ፣ ገንዘብ ናበይ ክንልእኽ ኢልካ ምሕታትካ፣ ብኣካል ደኣ ኣብ ሩሑቕ ትነብር እምበር ብመንፈስ ኩልሻብ ሞህ ህዝቢ ትግራይ ምህላውኻን ቃል ኣዕቢርካ ስለዘይትፈልጥ ህዝብን ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፍልጠትካ፣ ገንዘብካ እትገብሮ ሓገዝ ዝሕበኑ ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልካ ይደሊ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥ ዓድን ወፃእን ትነብር ህዝብና ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ሓይልታት ትምክሕቲ ዝመርሕዎ ካብ የማነ ፀጋም ዝተልዓለ ፀረ-ህዝቢ ተግባራትን ሽርሕታትን፣ እንኮላይ ካብ ትግራይ ዝተፈጠሩ ብገንዘብ ብዝተዓሰቡ ባንዳታት ሓንቲ ስድሪ ወስ ከይበሉ ቆቓሕ ኮይንካ ስለዝመከትካ ደሕንነትን መንነትን ህዝብና ተሓልዩ፣ ፀረ-ድኽነት ቃልስና ኣሐይልና ቀፂልና ኣለና:: ድሕንነትና ዝሽርሽር ናይ በረኻ ኣንበጣ’ውን መኪትካ ከምተቃብፆ ዘጠራጥር ኣይኸውንን::

አብ መወዳእታ፣ ዝኾነ ዕስለ ካብ ቅልፅም ህዝቢ ትግራይ ከምዘየምልጥ ኣየጠራርን ፡፡ ስለዝኾነ ብሓፈሻ ሓረስታይና፣ ተምሃራይ፣ ናይ ከተማ ነባሪ፣ በዓል ሃፍቲ፣ ነጋዳይ፣ ኩሉ ዓቕሚ ዘሎዎ ህዝብና ንዓፂድ ዝበፅሐ እኽሊ ብእዋኑ ኣብ ምዕፃድ፣ ዝተዓፀደ ድማ ዓውዲ ክኣትው ብሓፂሩ እኽሊ ሓረስታይና ናብ ቆፎ ክሳብ ዝኣቱ ብምርብራብ እጃምና ኣወፊና ድሕንነት ትግራይና ነረጋግፅ::

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons