መናእሰይ ከተማ መቐለ ብመሰረት ፃውዒት ደገፍቲ ክለብ ስፖርት ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ እቲ ዕስለ ተራእዩለን ኣብ ዝተብሃላ ከባብታት ተረኺቦም ዘርኣዩዎ ንጡፍ ተሳትፎ፤ ትግራዋይ ሓይሊ እንተተዋዲዱ ዝኸፍአ ፀገም እንተመፀ እውን ምምካት ንኽእል ኢና ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ምዃኑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም፡፡

እቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ራብዓይ መዓልቱ ገይሩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ምብራቓዊ ገማግም ጐልጐል ራያ ዝሸፈነ ሰፊሕን ሓደገኛን ምዃኑ ዘረድኡ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤ህዝቢ እቲ ከባቢ ፣ኣካላት ፀጥታ፣ ፉሉይ ሓይልን ምልሻን ቀትርን ለየትን ከይተሓለለ ብምስርሖም ኣብ ብርክት ዝበለ ጣብያታት ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ ምክልኻል ይርከብ ኢሎም፡፡

እቲ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕ ዘሎ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ግራት ዓሪፉ ጉድኣት እንተየብፅሐ ናብ ጐቦታት ዝዓርፈሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ እውን ኢሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ማሕበር ደገፍቲ ክለብ ስፖርት ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ መናእሰይ ከተማ ማይጨውን መኾንን ካብ ኣላማጣ እውን ንዕኦም ከተባብዑ ዝመፁ ባንድ ከም ዘለዉ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ብዘይቀልዓለም ንኽመፅኡ ድሌት ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣካላት ከምዘለዉን እዚ ዓይነት ትግራዋይነት ኣዝዩ ዘሐብን እዩ ኢሎም፡፡

ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ነቶም ሎሚ ብኣካል ዝመፁ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ዝተርኣየሉ ከባቢ ብምሕባር፣ ክመፁ ንዝደልዩ ኣካላት ስራሕቲ ምትሕብባር የካይዱ ዘለዉን ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ዋንነት ተሰሚዑዎም ብሙሉእ ልቢ ይሳተፉ ንዘለዉ ኩሎም ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስጋንኦም ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ወፍሪ መኸተ ዕስለ ኣምበጣ ንምስታፍ ብ 7 ኣውቶቡሳትእቲ ዕስለ ተራእዩለን ኣብ ዝተብሃላ ከባብታት ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ብጉጅለ ተመቓቒሎም ነቲ ዕስለ ኣብ ምብራርን ገሊኡ ጉጅለ ድማ ነቲ ዝበረረ ንምጭፍጫፍ አብ ምፅባይ ዝነኣድ ስራሕቲ እናርሑ ውዒሎም እዮም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons