ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልልናን ሃገርናን ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ መብርሂ ሂቦም፡፡
ዶክተር ደብረፅዮን፤ ኣብ ትግራይ ሰናይ ምምሕዳር ንምዕሳልን ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅን ትካላዊ መስርሕ ተኣታትዩ ከምዘሎ እዮም ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ጣብያታት ዝነበረ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕን ልምዓት ንመሳለጥን ብህዝቢ ዝተመረፁ ልዕሊ 3200 ሓደሽቲ ኣመራርሓ ጣብያታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን፤ኣብ ወረዳታት ዝርአ ፀገም ንምፍታሕ እውን ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ነባራት ኣመራርሓ ናይ ምምዕርራይ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ሓቢሮም፡፡

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብቲ ዝሃቡዎ መብርሂ ልዕሊ 7 ሚልዮን ብር ዝውድእ ፕሮጀክት ጨረታታት ብክልል ክውዳእ ዝፈቅድ ኣሰራርሓ ተሪፉ፣ ወረዳታት ስሉጥ ልምዓት ንምርግጋፅ ክኽእላ ክሳብ 54 ሚልየን ብር ጨረታ ከይዲ ብወረዳ ክፍፀም ከም እተወሰነ እውን ሓቢሮም፡፡

125 ጣብያታት ኣብቲ ዝሓለፉ ዓመት መንገዲ ክህልወን ዝተገበረ እንትኾን ዝተረፋ ድማ ኣብዚ ዓመት መንገዲ ክህነፀለን እዩ ኢሎም።

ሕቶ መጠሻ መናእሰይ ንምፍታሕ ንልዕሊ 60 ሽሕ መናእሰይ መንበሪ መሬት ከምዝተዓደለ ኣብሪሆም ። ኣብ ጣብያታት ቁልፊ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኾይኑ ዝፀንሐ መሬት ዳይነት ክተርፍ ምኽኣሉ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ፣ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ መሊኡ ክዕረ ይግበር ምህላው ተዛሪቦም።

ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ንሃፍተ ገነት መሰረት ብምግባር ብሙሁራት፣ ኣመራርሓን ህዝብን ተዘትይሉ ህዝቢ ብዝወሰኖ መሰረት ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም እዩ ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ውህደት ኢህወዴግ፣ ኣብ ክሊ ወያናይ ዴሞክራሲ ፕሮግራም ኾይኑ ዝተወሰነ ምዃኑ ብምዝኽኻር ውሁድ ፓርቲ ህወሓት ዝተቓወመሉ ቀንዲ ምኽንያት ወያናይ ዴሞክራሲ ኣብ ዝተጥሓሰሉ እዋን ኩለን ውድባት ኣብቲ ፕሮግራም ሓደ ዓይነት ቅዋም ኣብዘይሓዛሉ ብምዃኑ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ ፈለማ መረፃ ክካየድ ድሕሪኡ ከም ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ውሁድ ፓርቲ ምዝርራብ ምግባር ከምዝከኣል ሓቢሮም።

ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ንብረቱን ህይወቱን ምብስባስ ከምዝበፅሖን ትግራዋይ ብምዃኑ ዝቕተለሉ ፣ ዝእሰረሉን ሽማሽም ዝወሃበሉን ፣ ብሚዲያታት ወፍሪ ጠቐነን ፀለመን ዝተገበረሉ፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ንምትንኳይ ዝተፈተነሉ ምንባሩን ፣ እዙይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብትዕግስቲ ከምዝሓለፎ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons