“ምሕፃብ ኢድንኹሉ!” ብዝብል ሓሳብ ቅነ ምሕፃብ ኢድ ብብርኪ ክልል ንመበል 12 ይኽበር ኣሎ ፡፡

መበል 12 ግዘ ቅንያት ምሕፃብ ኢድ ብብርኪ ዓለም ዝክበር ኮይኑ ኣብ ትግራይ እውን ንመበል 12 ጊዜ ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣደጊፉ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ሕብረተሰብ በቢ ከባቢኡ ተሞክሮ ክለዋወጥን ጥዕናኡ ከውሕስን ትፅቢት ከም ዝግበርን ተወካሊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ ኢብራሂም ሓሰን ገሊፆም፡፡

ቅነ ምሕፃብ ኢድ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2012 ዝካየድ ኮይኑ ብ ደረጃ ክልልብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣደጊፉ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ሞዴል ስራሕቲ ጥዕና ዝኾነት ጣብያ ደብረህይወት ሕብረተሰብ በቢ ከባቢኡ ተሞክሮ ክለዋወጥን ጥዕናኡ ከውሕስን ከም ዘለዎ ኣይተ ኢብራሂም ሓቢሮም፡፡ ኣብቲ በዓል ተምሃሮን መምህራንን ከመኡ እውን ኣመራርሓ ጥዕና ዝተረኸቡ ኮይኖም መደብ ጥዕና ንምዕዋት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርኻብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝግጁ ምዃኖም ኣይተ ኢብራሂም ገሊፆም፡፡

ርእሰ መምህር ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ደብረሂወት መምህር መሓመድ በድሩ ብወገኖም ትምህርቲ ዝዕወት ጥዕና ውሑስ ዝኸውን ዝተጀመረ ፓኬጅ ጥዕና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ንምግባር ዝከኣለና እናሰራሕና ንርከብ ኢሎም፡፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብነታዊ ተረአን ንክፃወታ ኣብ ዘለዉ ናይ ሽንትቤትን ሕፅረት ማይን ፀገም ንምፍታሕ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ሓቢረን ብምስራሕ ችግሩ ክፈትሓ ከም ዝክእላ መምህር መሓመድ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons