ሓደሽቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ትግራይ ሓላፍነት ክወስድ ናብ ዘይኽእል መንግስቲ ዘመሓድሮ ክልል ኣምሓራ ከይዶም ንከይመሃሩ መንግስቲ ትግራይ መፍትሒ ይእለሸሎም ከም ዘሎ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

መንነት መሰረት ገይርኻ ፍሉይ ብሄራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን 40 ብ 60 ዝነበረ ኩነታት ምደባ ሓደሽቲ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መንነት እናፈለኻ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን 10/90 ገይርኻ ምምዳብ ፀገም ከምፅእ ስለ ዝኽእልን ክስተኻኸል ከም ዘለዎ መንግስቲ ትግራይ ሓያሎ ቃልሲ እናገበረ ምፅንሑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል ካሕሳይ ገሊፆም፡፡

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል ብዘይዛሪ ቃልሲ መንግስቲ ትግራይ 10 ብ 90 ዝነበረ ኣገባብ ምደባ ዩንቨርስቲ ትግራይ ናብ 20ብ80 እኳ እንተተለወጠ ካብ ትግራይ ናብ ዩንቨርስታት ኣምሓራ ዝተመደቡ ተምሃሮ ትግራይ ሓላፍነት ክወስድ ናብ ዘይክእል መንግስቲ ኣምሓራ ዘመሓድሮ ክልል ኣምሓራ ከይዶም ክመሃሩ ከም ዘይግባእ መንግስቲ ትግራይ ዳግም ሓያሎ ቃልሲ ገይሩ እዩ፡፡

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል፤ መንግስቲ ፌደራል ነዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ 600 ካሊእ መፍትሒ ንክእልሸሎም ፅዕፁዕ ቃልሱ የሳልጥ ኣሎ፡፡ ሕቶ መንግስቲ ትግራይ እንተዳኣ ዘይሰሚሩ ግና መንግስቲ ትግራይ ናይ ባዕሉ ካሊእ መፍትሒ ከም ዝእልሸሎም ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል ወሲኾም ኣረዲኦም፡፡

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ንዝምደቡ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ንድሕንነቶም ልዑል ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል ገሊፆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡06 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons