መግለፂ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
———————————————————–
ብደም ዝተኸተመ መግለፂ ብዝሃነት!!

ቅድሚ ኩሉ ’’ሰንደቕ ዓላማና፣ንልዕልነት ሕብረ-ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓትናን፣ ሕገ-መንግስትናን’’ ብዝብል መሪሕ ቃል፣ 3 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም፣ ንዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ፣እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም!! ኣብፅሐና!! ዝብል መልእኽቲ፣ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፣ ንሰብ ዋና እቲ ሰንደቕ ዓላማ ብሄር ብሄረ ሰባት እንትመሓላልፍ፣ጀሚርናዮ ዘለና ሓዱሽ ዓመት 2012 ዓ.ም፣ብዝለዓለ ወነ ቃልሲ ዝተዓፃፀፈ ኩለመዳያዊ ዓወት ከምእነመዝግብ ብምትእምማን እዩ፡፡

ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ዘኽብርሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉዎም። ልዕሊ ኹሉ ግን ህዝብና፣ ምስ ኩሎም፣ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን፣ ዴሞክራስያውን ፊደራላውን ሓይልታት፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ፣ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሰላም ክዓስል፣ ማዕርነት ብሄራትን ሃይማኖታትን ክረጋገፅ፣ ሕገ-መንግስታዊ፣ሕብረ-ብሄራዊ ፌዴራላዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክህነፅ፣ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ክነግስ፣ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ፣ተኸታታሊ፣ስሉጥን፣ኩሉ ብብደረጅኡ ተጠቃማይ ዝኾነሉ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክሳለጥ መሪሕ ተራ ተፃዊቱ እዩ ህዝብና። ብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓላማ ሃገርና ኣብ ኩሎም ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ተቐባልነት ረኺባ ጥራሕ ከይኮነስ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ተዋሂቡዋ ብመዓርግ ክትምብልበል እጃሙ ኣወፍዩ እዩ።

ህዝብን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ይኹን፣ ሎሚ ዓመት፣ ንመበል 12 ጊዜ ዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ንክፅንበል ዝረባረበሉ ምኽንያት ምእንቲ ካሊእ ብሄር ብሄረ ሰብን ህዝብን ኣይኮነን፡፡ ስለምንታይ ደኣ እንተተብሃለ እዛ ኣብ ማእኸል ኣርማ ዘለዋ ሕዚ ዘላ ሕጋዊትን፣ መግለፂ ብዝሃነት ሉኣላዊነትን፣ምልክት ህዝብን ሃገርናን ዝኾነት ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ፣ንክትኹላዕ ልዕሊ 60 ሽሕ መላምል ደቂ ትግራይ መስዋእቲ ህይወት፣ልዕሊ 100 ሽሕ ድማ ኣካሎም ጎደሎ ዝኾኑላ፣ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና፣ ካብ ዝፀደቐሉ 29 ሕዳር 1987 ዓ.ም ፅባሕ ጀሚሩ ህዝብና እዛ ሰንደቕ ዓላማ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ሃገርና ክትንብልበል መሪሕ ተራ ተፃዊቱ እዩ። ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ናይ ባዕሉ ምዃኑ ብውነ ተረዲኡ ብድሙቕ ፅንብል ዘኽብረሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ሎሚ’ውን እዛ ብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓላማ ምርኩስን ዓንድን መንነትና ብምዃና እዩ።

ሕጋዊት ብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ፣ተወከልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1987 ዓ.ም፣ ሕገ-መንግስቲ ኢፌደሪ፣ ተመያይጦም ቅድሚ ምፅዳቖም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ኣወዳድባ ኣብ 20 ሽሕ ገጠርን ከተማን ኢትዮጵያ ይነብር ዝነበረ ልዕሊ 19 ሚልዮን ህዝቢ በብከባቢኡ ሰፊሕ ክትዕ ገይሩ እዛ ሰንደቕ ዓላማ፣መግለፂ ማዕርነት ብዝሃነትናን ሉኣላዊነትና እያ ኢሎም ከምዝወሰኑ መዛግብቲ ሰነድ ታሪኽ ይሕብሩ እዮም፡፡

ብሓፂሩ ብደምን ኣዕፅምትን፣ዝተከተመት ሓቢርካን ተኸኣኢልካን ምንባር፣ ሉኣላውነትን ማዕርነት፣ ብሄር ብሄረ ሰባት ህዝብታትን ዘረጋገፀት፣ እዛ ብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓላማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ ዘመን፣ ሰላም ዘንገሰት፣ዴሞክራሲያዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ክህነፅ፣ ብዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ፣ሕብረ-ብሄራዊ ብዝሃነት፣ ዝደመቐት፣ ዓለም ዘስደመመ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ብምምዝጋብ ፣ኣብ 1983 ዓ/ም ኣብ ዓለም ብድኽነተን ይርቋሓ ካብ ዝነበራ 10 ሃገራት ሓንቲ ዝነበረት፣ሃገርና፣ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ብልምዓታውን ዴሞክራስያዊ መስመርና እናተመርሐት ብዘመዝገበቶ ኩለመዳያዊ ስሉጥ ምዕባለ፣ ምስተን ዝነኣድ ውፅኢት ምዕባለ ዘመዝገባ 10 ሃገራት ተርታ ተመዲባ ነይራ።

እንተኾነ ብሓይልታት ትምክሕቲ ዝምርሑ፣ካብ ውሽጥን ደገን ዝተኣኻኸቡ ደርጋውያን፣ ብደም ዝተኸተመት መግለፂ ብዝሃነት ዝኾነት ሰንደቕ ዓላማና፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ፣ዓመታት ኣናሽዮምዋ፣ ረጊፆምዎ፣ኣቃፂሎዎም እዮም፡፡ እዞም ብዝሃነት ዘይቅበሉ፣ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት፣ ብሄራዊ ዕብላለን ደርባዊ ጭቆናን ኣንጊሶም፣ እዛ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት “ቤት ማእሰርቲ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን” ንዝገበረ፣ህዝብና ኣደዳ ሞት፣ ስደትን ገይሩ፣ብምሒር ድኽነት ሰንሰን ክብል ዝገበረ መግለፂ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝኾነ ባንዴራ ጥራሕ ባንዴረኦም ምዃኑ ወግሐ ፀበሐ ዘሚሮሙላ እዮም።ብሓፂሩ እዞም ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ድሑር ስርዓቶም ዝምለስ እናመሰሎም፣ ከበሮ ሓምሓም ካብ ምውቃዕ ዓዲ ኣይወዓሉን፤ ኮይኑ ግና እዚ ኣጉል ሕልሞም ብብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ኣይግመትን። ስለምንታይ እንተተብሃለ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ መማረፅታት ዝበሃል የለን። እታ መማረፂት ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት ኣጠናኺርካ ምቕፃል እያ።

ብሓፈሻ ህዝብን፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ኣብዚ ዘለናሉ ዝተሓላለኸን ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ፣በብሰዓቱ ዝቀያየር ሃገራዊ ኩነታት ኮይኖም፣ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ፣ ንመበል 12 ጊዜ ዘኽብርዎ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሕገ መንግስትናን ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ከይትንከፍ፣ልዕልና ሕጊ ንክረጋገፅ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ከንቱ ከይትርፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህልውና፣ ድሕንነትን፣መንነትን፣ህዝብናን ትግራይናን ንምርግጋፅ ፣ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ፣ ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብ ዝከኣል፣መግለፂ ብዝሃነት ዝኾነት ብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓለማ እንትኽበር፣ ምዃኑ ስለዝኣምኑ እዩ፡፡

ስለዝኾነ ኩሎም፣ ዴሞክራስያውን ፌደራላውን ሓይልታትን፣ ኣሃዳዊ ስርዓት ዳግም ከይምለስ፣ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ፣ ኩሉ ዓቕምታቱ ጠሚሩ ፀረ-ድኽነት ቃልሱ ንከሕይል ብደም ዝተኸተመ መግለፂ ብዝሃነት፣ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ብድሙቕ ፅንብል እንተኽብር፣ ፣ሰላምና ንምዝራግ፣ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ እናተበገሱ፣ ኣብ እከይ ተግባር ንዝተፀመዱ ሓይልታት፣ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ፣ቖቛሕ ኮይኑ ብምሕላውን ብምምካትን፣ 6ይ ዙር ሃገራውን ክልላውን መረፃ፣ሰላማዊ፣ናፃ፣ፍትሓውን ሕጋውን ኮይኑ ንክዛዘም እጃሙ ከምዘወፊ፣ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ይተኣማመኑ እዮም፡፡ ሰናይ ኣከባብራ መዓልቲ ንብዓልቲ ኣርማ ሰንደቕ ዓላማ ክኽውን ንምነይ!

“ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰወኣትና!”

“ሰንደቕ ዓላማና፣ ንልዕልነት፣ሕብረ-ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓትናን ሕገ- መንግስትናን!!”

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons