ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ሳዕስዕ እሞ ስራሕኻ ኣይትረስዕ!!

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ብሄራዊ ክልልዊ መንግስቲ ትግራይ፤ መላእ ህዝብና እንኳዕ ንበዓል መስቀል ብሰላም ኣብፀሐካ! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንተመሓላልፍ ዝስምዖ ክብርን ሓበንን ዝለዓለ እዩ።

ትግራይና ማህፀን ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ጥራሕ እንተይኮነስ “መበቆል ሕላገት ቅርስታት እያ” እንተተብሃለ፣ እቲ ሓቂ ምዝራብ ’ምበር ምግናን ኣይኮነን።እኒ ጎቦ ገረዓልታ፣ሓዊስካ ብፀሓቲ ዓዲ/ቱሪስት/፣ንክሪእዎም ዝብህግዎምን ዝህንጠወሎምን ዝተፈላለዩ ጎቦታት፣መስተንክር ቅያ ዝተሰርሐሎም ኣብ ባዕቲታት፣ ከምኒ ደኒ ደስኣን፣ ፓርክ ቃፍታ ሑመራን፣ብስነጥበባዊያን ወለድና ተወቒሮም ካብ ከውሒ ዝተሰርሑ ልዕሊ 120 ቤተክርስትያናትን ገደማትን፣ውፅኢት ስነ ፅባቐ፣ ቐዳሞት ተጋሩ ዝኾኑ ስእልታት፣ ናይ ብራና ፅሑፋት፣ ዜማታት፣ ቅኔታት፣ ግጥምታት፣ባህልታት ዝወነንት እያ ትግራይና ፡፡

መደብር ሓወልቲ ኣክሱም፣ ቤተ መቅደስ ይሓ፣ ኣልነጃሺ ወዘተ ዝኾነት ትግራይና፣ ካብቶም ኣብ መላእ ትግራይና ብድሙቕ ፅምብል ዝኽበሩን፣ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ዝተመዝገቡ ቅርስታት፣ ሓደ ዝኾነ፣ኣከባብራ በዓል መስቀል ተጠቃሳይ እዩ።

ህዝብና መግለፂ መንነቱ ዝኾነ፣ ቋንቁኡ፣ታሪኹ፣ባህሉ፣ስነልቦናዊ ሓድነቱ ዓቂቡን ሓብሒቡን፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሓልፍ ብምግባሩ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦምን ዝመራመረሎምን ሓድግታት መስሕባት ቱሪዝም ኮይኖም እዮም፡፡ይኾኑ’ውን ኣለዉ።ንቅድሚት እውን ንመናእሰይና ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ብዘኽእል ኣግባብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክስራሕ እዩ፡፡

ትግራይና ወናኒት ዝተፈላለዩ ሓድግታትን፣መስሕባትን ብምኳና፣ህዝብና ድማ ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ፣ሓይልታት ትምክሕቲ ዝመርሕዎ ብውሽጥን ብደገን፣ ዝተኣለሙሉ ሸርሕታት በጣጢሱ፣ መንነቱን ድሕንነቱን ኣረጋጊፁ፣ ሰላሙ ውሑስ ስለዝገበረ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ካብ ናይ ወፃኢ ዓድታት በፃሕቲ ዓዲ (ቱሪስት) 126 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ እዩ።

እንተኾነ ትግራይና ምስዘለዋ ብዓይነቱ ፍሉይ፣ብቁፅሩ ድማ ብዙሕ፣ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ሃብተ ገነት፣ ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ ዝግበኣ እቶት ትረክብ ኣላ ዘብል ኣይኮነን፡፡ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ኣወንታዊ ምስሊ ህዝብናን፣ታሪክ ትግራይናን፣ ኣብ ዓለም ብግቡእ ስለዘየፍለጥና፣ከምኡ እውን ኣድላይ ዝበለ መሰረት ልማዓት፣ ስለዘይተማልኡን ንቱሪስት ዝድልዩ ኣግልሎታትን ቀረባትን ብዘይምምልኦም እዩ፡፡

ብምኻኑ ቱሪስት ብምውሳኽ እቶትና ንምዕባይ፣ ኣብ ዓለም እውን፣ ብመዳይ ቱሪዝም ግቡእ ቦታ ንክህልወና ከም ኣከባብራ በዓላት ኣሸንዳ፣ዓይኒ ዋሪ፣ማርያ፣ ኣከባብራ ብዓላት ኣልነጃሺን ጥምቀትን ዝኣመሰሉ ዘይድህሰሱ ቅርስታት፣ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ። ሊቃውንቲ ሃይማኖታትና፣ፈላጣትን ምሁራንን ባህልና፣ ከምኡውን ዲያስፖራ ትግራይ ሓዊስካ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት’ውን እጃሞም ከወፍዩ በዚ ኣጋጣሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፃውዒቱ የቕርብ።

ኣብ ሃገርና ይኽን ትግራይና በብዓመቱ በዓል መስቀል ኣብ እንኽብረሉ 17 መስከረም፣ ዕለት ቱሪዝም እውን ብዓለም ደረጃ ዝኽበረሉ ዕለት እዩ፡፡ ብምኻኑ ሎሚ ዘበን 17 መስከረም 2012 ዓ.ም ፣ብዓለም ንመበል 40 ግዜ ‘’tourism and jobs:a better future for all’’ ብዝብል ክኽበር፣ እዩ፡፡ ብኢትጵያ ደረጃ ንመበል 32 ግዜ፣ብደረጃ ትግራይና ድማ ንመበል 26 ግዜ ዝኽበር መዓልቲ ቱሪዝም እውን፣ ምስ በዓል መስቀል ሓዊስና ብምኽባር ዘለና ፀጋታት ቱሪዝም ንዓለም ንምፍላጥ ክንረባረብ ይግባእ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከከም ከባቢኡ ዝኽበር ዝኽሪ በዓል መስቀል፣ ብፍላይ ብምትሕብባር ባህልን ቱሪዝምን ከተማ መቐለን ማሕበር ጮምዓ “በዓል ጮምዓ ንልምዓትን ሓድነትን” ከምኡ’ውን ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ምስ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ብምትሕብባር “ክብርታት በዓል መስቀል ብምዕቃብ ሓድነትና ነጠናኽር” ብዝብል መሪሕ ቃላት፣ በዓል መሰቀል ብድሙቕ ኣብ ዝኽበረሎም ኩሎም ጎቦታት፣ኹጀታት፣ወዘተ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ብምትካል ብኽለት ኣየር ብምቁፅፃር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ መንግስቲ ትግራይ ሓንፂፁ ዝትግብሮ ዘሎ ሓምለዋይ ስትራተጂን ናይ ምስፋሕ ስትራተጅን ብምዕዋት፣ ብቐንዱ ንመናእሰይና ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝብና ተረባሓይ ንምግባር ዝግበር፣ ኩለመደያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኩለትና እጃምና ክነወፍይ ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ካብ ነሓሰ 16/2011 ዓ.ም ጀሚርና፣ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ህዝባዊን በዓላትና ብድሙቅ ኣኽቢርና ኢና፡፡ ጉጅለ ኣሸንዳ ክልልና እውን ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ-ሉዋንዳ ምርኢት ኣርኢያ እያ፡፡እንኾነ፣ ሳዕስዕሞ ስራሕኻ ኣይትረስዕ፣ ከም ዝብሃል፣ ንበዓል መስቀል ሓዊስካ ኩሎም ህዝባዊ፣መንግስታዊ፣ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላትና ብሰላም ንምኽባር፣ ኣብዚ ንኡስ መድረኽ ኣጋጢሞምና ዘለዉ ዝተሓላለኹ ፀገማት፣ሓድነትና ኣጠናኺርና፣ ፀረ ድኽነት ቃልስና ንክነሐይል በዚ ኣጋጣሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃዊዒቱ እናቅረበ፤ ደጊሙ ሰናይ በዓል መስቀል ይብል።

ዘላኣለማዊ ዝክሪ ስዋኣትና !!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፤15 መስከረም 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons