መንግስቲ ትግራይ ካብ ሕብረተሰብ ዝለዓሉ ጥርዓናትን ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ካብ ስሩ ፈቲሹ ንምፍታሕ ኣብ ሓደ ጣብያ ኣርባዕተ ምሩቃት ዩኒቨርስቲ ብምምዳብን እዞም ምሩቃት ምስ ሙሉእ ኣፍልጦ ፖሊስን ስትራቴጅን ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ሰልጠንቲ ናይ እንዃዕ ደሓን መፃኹም ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡

ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ትግራይ ኣይተ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ 13 መስከረም 2012 ዓ.ም ኣብ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ተረኺቦም ን2ይ ዙር ሰልጠንቲ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፤ ንዝመረፀካ ህዝቢ ክተገልግል ዕድል ምርካብ ዓብይ ዕድል እዩ፡፡ኣብ ካልኦት ዓድታት ዋላ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እውን ንህዝቢ ንምግልጋል ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋታት ስራሕቶም ገዲፎም መነባብረኦም ገዲፎም ነፃ ግልጋሎት ክህቡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝንቀሳቀሱ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ፡፡እዚ ዕድል እዙይ መኣዝ ክንረኽቦ ኢና ኢሎም ዝሃርፍዎ ዕድል እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ዕድል ብኣጋጣሚ ይኩን ብናይ ባዕልኹም ድሌት ስለዝረኸብክምዎ ነዚ ዕድል ክትጥቀምሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ካባኹም ክረኽቦ ዝደሊ ትፅቢት ኣሎ ንስኻትኩም እውን ህዝቢ ንምግልጋል እዚ ዕድል ንምጥቃም ድሌታት ኣሎ ነዚ ክልቲኡ ድሌታት ዘማልእ ብቅዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ንክትህቡ ድማ መንግስቲ ብዝወሰኖ ውሳነ መሰረት ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ትግራይ እኹል ምድላዋት ገይሩ ንዓኻትኩም ኣብቂዑ ብቁዓት ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ ንክትኮኑ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብዚ መድረኽ እዙይ ንህዝቢ ንምግልጋል ዘድሊ ፍልጠት ኣተሓሳስባን ክእለትን ናይ ኣመራርሓ ጨቢጦም ንክወፁን እዙይ ከም መበገሲ ገይሮም ከዓ ብዝበለፀ ካብ ህዝቦም እናተምሃሩ ህዝቦም ብዝሐሸ መንገዲ ንከገልግሉ ኣይተ ጎበዛይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons