ዓሰርተ ጉንበት 2018 ዓመተ ምህረት ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝተፈረመ ውዕሊ ህንፀት መስተ ማይ ግድብ ገረብ ግባ ድሕሪ በዳህቲ ፈተናታት 12 መስከረም 2012 ዓመተ ምህረት ስርሑ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ ዕላዊ መኽፈቲ ምጅማር ህንፀት ግድብ ገረብ-ግባ መቐለ ዝተረኸቡ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካአል ከምዝገለፅዎ ፤ እዚ ግድብ ንመስተ ማይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመፃኢ ዕቤትን ምዕባለን እታ ከተማ ዝዓበየ ግደ ኣለዎ።
ሕንፋፅ ስርዓት ፋይናንሳዊ ልቓሕን ሓገዝን ስዒቡ ብመንግስቲ ቻይና ህንፀቱ ዝተጀመረ ግድብ ገረብ- ግባ፣ ካሕሳን ካልእ ስራሕቲ ከይተወገነሉ ንክጅመር ሓረስቶት ወረዳታት እንደርታን ክልተ ኣውላዕሎን ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ድማ ንኢዶም። ኣብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት ቻይና ኣብ መዳይ መሰረተ ልምዓት መንገዲ፣ ባቡር፣ ህንፀት መስኖ ማይ ትምህርቲ ፣ ጥዕናን ቴሌኮምን ቀሊል ዘይበሃል ኣበርክቶ እንዳበርከተት ምፅንሓ ተዛሪቦም።

ህንፀት እቲ ግድብ ክሰልጥ CGGC ዝተብሃለ ኩባንያ ቻይና ዘርኣዮ ቁርፀኝነት ፣መርኣያ ስጡም ርክብ ክልቴኤን ሃገራት ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ታን ጂያን ድማ ኣብ መቐለ ሓደ ናቑጣ መውሃቢ ግልጋሎት ፅሩይ ዝስተ ማይ ምህላውን እዙይ’ውን 25 ሚኢታዊ ድሌት ቀረብ መስተ ማይ ህዝቢ መቐለ ዝሽፍን ምዃኑ ከም እተገንዘቡ ሓቢሮም።

እዚ መሪር ሓቂ ድማ እዩ እቲ ፕሮጀክት ክካየድ ብወገን መንግስቲ ቻይና ቆራፅ ንምዃን ዘኽኣሎ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ እቲ ፕሮጀክት እንትውገን በቢ መዓልቱ 136 ሽሕ ኩቢዩክ ሜትር ፅሩይ ማይ ንምቕራብ ስለዝሕግዝ ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ከተማ መቐለ ንፀገም ፅሩይ ቀረብ መስተ ማይ ኣይፅገምን ፣ ንፅሩይ ማይ መግዝኢ ዝምድብ በጀት ድማ ኣይህሉን ክብሉ ገሊፆም።

ሳላ ቁርፀኛን ተኸታታልን ፃዕሪ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ህንፀት እቲ ግድብ ብዕሊ ስርሑ ክጅምር ኪኢሉ እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር ምስጋንኦም ድማ ገሊፆም።

ቀረብ መስተ ማይ ጉዳይ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፣ ቻይና ፀገም ኣፍሪካውያን ንምቕራፍ ናይ ዘለዋ ፖሊሲ መርኣያ ስለዝኾነ ምሕዝነት ኣፍሪካ-ቻይና ንምጥንኻር ጠንካራ መሓዛ ኣፍሪካ ኮይንና ክንቅፅል ኢና ኢሎም። ምሕዝነት ቻይና- ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ስለዝኾነ እዙይ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ድማ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ትግራይ ኣይተ ቴድሮስ ገ/ሄር ካብ ስትራቴጂካዊ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ መንግስቲ ቻይና ንግድብ ገረብ ግባ ዝኸውን በጀት ከይልቀቕ ፃዕሪታት ይግበሩ ምንባሮም ኣዘኻኺሮም፣ ብሳላ ፃዕሪ ውድብን መንግስትን እቲ ስራሕ ብዕሊ ክጅመር ምኽኣሉ ተዛሪቦም።

እቲ ብ 9 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ግድብ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት እንትውገን ፀገም መስተ ማይ ከተማ መቐለ ብዘላቕነት ዝፈትሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ፀገም መስተ ማይ መቐለ ምፍታሕ ምኽኣላ ሕምብርቲ ፖለቲካን ቁጠባን ትኸውን ዘላ ከተማ መቐለ ብንግዲ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ኢንዳስትርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሓ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ግድብ ካብዚ ብተወሳኺ 147 ሽሕ ሜትር ኩዩብ ማይ ዘፃሪ ትካል ዝወነነ፣ 300 ኪሎ ሜትሮ ዝርግሐ መስመር ማይ ዘካትት ፕሮጀክት እንትኾን ኣብ ከተማ መቐለን ካቢኣን ንዘለዋ ትካላት ኢንዳስትሪ’ውን ዘገልግል እዩ።

ነቲ ኮንትራት ዝወሰደ CGGC ብዝተብሃለ ኩባንያ ቻይና እቲ ፕሮጀክት ንምክያድ ህዝብን መንግስትን ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዶም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡12 መስከረም 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons