ኣብ ምዕባለ ኢንዳስትሪ ብፍላይ ሴክተር ዓለባን ጨርቃ መርቅን ዝረኣዩ ምንኣስ ብቕዓት፣ ኣብ ሓፂር እዋን ብዙሕ ስራሕ ክትሰርሕ ዘይምኽኣልን ሕፅረት አፍልጦ ዲሲፒሊን ስራሕን ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎም ክስራሕ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትሪን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር ገሊፀን፡፡

ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄርሎሚ ዕለት ኣብ ዝተመረቐ ማእኸል ልህቀት (Center of Excellency) ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ተረኺበን ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ ፤ኣብ ምዕባለ ኢንዳስትሪ ብፍላይ ሴክተር ዓለባን ጨርቃ መርቅን ዝለዓለ ትኹረወሃብ ምዃኑ ከም መንግስቲ ዘለዋ ሓፈሻዊ ኣንፈት ምዃኑ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ስራሕ ዝደልዩን ሰልጢኖም ናብቲ ስራሕ ዝእተውን እታወት ዝኸውን ሃፍቲ ጡጥን ሓይሊ ሰብን ተጠቂምና ኣብዚ መዳይ ስራሕ ምህርቲ ክነፍርን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳደርቲ ኮይንና ከነሸይጥ ንኽእል ኢና ኢለን፡፡

ወ/ሮ ፈትለወርቅ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ወሲኸን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ስራሕቲ ዓለባን ጨርቃ መርቅን ዘሎ ምንኣስ ክእለት ዓብዩ ፀገም እዩ፡፡ ንሸጦም ዓላቡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብፅሬትን ብዋጋ ተወዳዳሪ ክኸውን እንተዘይኺኢሉ ተወዳዲርና ክንስዕር፣ ክንሸይጥን ዕድል ስራሕ ክንረክብ ኣይንኽእልን፡፡

ብስንኪ ብቕዓት፣ ኣብ ሓፂር እዋን ብዙሕ ስራሕ ክትሰርሕ ዘይምኽኣል፣ ኣብ ፋብሪካ ኣቲካ ዲሲፒሊን ስራሕ ዘይምህላውን ነቲ ናይ ምፍራይ ዓቕምና ኣዐርዩም ዝጐድኡ ብምኻኖም ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎም ክስራሕ ኣለዎ ኢለን፡፡

ከም ሴክተር እንተሪኢናዮ ድማ ብፍላይ ኣብ ከማና ዝበላ ብጣዕሚ ብዙሕ ስራሕ ዝደሊ መንእሰይ ዘለዎ ከባቢ ብዙሕ ሰራሕተኛ ዝጠልብ ብምዃኑ ተመራፂ ከም ዝገብሮ ዝገለፃ ወ/ሮ ፈትለወርቅ፤እዚ ሴክተር ክዓቢ ብምግባር ዘለና ዕቑር ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን፣ ዓለባን ጨርቃ መርቂ ዝኸውን እታወትን ብኣግባቡ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢለን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ 8 መስከረም 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons