ዘፈር ሚድያን ኮሚኒከሽን ክልልና ኣብ 2012 ዓ/ም ተምሳሌት ኩሉመዳይ ስራሕቲ ኢንዶክትሪሽን ስርፀት ማእኸልን ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ዘፈር ሚድያን ኮሚኒከሽን ክልልና ኣብ 2012 ዓ/ም ተምሳሌት ኩሉመዳይ ስራሕቲ ኢንዶክትሪሽን ስርፀት ማእኸልን ኮይኑ ዓበይቲ ዕማማት ንምፍፃም ዘኽእል 10 ዓበይቲ መደባት፣8 ሸቶታትን 120 ዝርዝር ተግባራትን ዝሓዘ ሰፍሒ መፈፀሚ ትልም ሎሚ 06 መስከረም 2012 ዓ/ም ሓለፍቲ ርክባት ህዝቢ ቢሮታት ክልልና ኣብ ዝተረኸቡሉ ብም/ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሳ ዕላዊ ኮይኑ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገዛኢ መትከል ብምሓዝ ውሽጣዊን ጎድናዊን ስርዓት ኮምዩኒኬሽን ንምስላጥ ዝሕግዙ ኣስራርሓታት ብምዝርጋሕ ፣ምቹው ናይ ስራሕ ባይታብምፍጣርን ሚድያታት ብዝግባእ ብምምራሕ፣ ምንጪን ተኣማናይ ማእኸል ሓበሬታን ብምዃን ኣብ ቀፃሊ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ኩሉመዳይ ማእገር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምግባር ዘኽእልን ነቲ እዋን ዝምጥን መፈፀሚ ፍኖተ ካርታ ኣንፅፍካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣቶ ሓዱሽ ካሳ ገሊፆም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ 6 መስከረም 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons