ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2012 ዓ/ም ዝተዉሃበ መግለፂ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
================================
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ብርሱን ወነ ንኣንፀባራቒ ዓወት ሓድነትና ነሰጣጥም!

ልዕሊ ኩሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ኣብ ክልልና፣ መላእ ሃገርናን፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ህዝብና እንኳዕ ን2012 ዓ/ም፣ ሓዱሽ ዓመት፣ ብሰላም ኣብፀሐና! ኣብፀሐኩም እንትብል፣ 2012 ዓ/ም ዘመነ ሰላም፣ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ህርኩትነት ስራሕን ኣንፀባራቒ ኩለ መዳያዊ ዓወትን ዕብየትን ብቃልስና ከም እነረጋግፆ ብምትእምማን እዩ፡፡

ህዝብና ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ጉጅለ ትምክሕቲ ብዝመርሕዎም ፀረ- ሰላም ፀረ‐ህዝብን ፀረ-ዲሞክራሲን ሓይልታት ብዘብፅሕሉ ኣካላውን ስነ‐ኣእምራዉን መጥቃዕቲ ከይተንበርከኸ ከም ኣርቃይ ረቢቡ ሓድነቱ ከም ብረት ኣጠናኪሩ መንነቱ ድሕንነቱን ሃላዋቱን ኣረጋጊፁ፣ ፀረ-ድኽነት ቃልሲ ኣሐይሉ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ህዝብና ሎሚ እዉን ከም ትማሊ ኣብ ታሪኩ መንነቱ ንምጥፋእ፣ ካብ ወፃኢ ይኩን ካብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝመፅእ ዝኾነ ጎባጣይ ሓይሊ ኣይደራደርን ጥራሕ ዘይኮነስ ስዕረት ኣጎልቢቡ፣ ኣብ በቢ መዋእሉ ኣብ ልዕሊ ድሙቕ ዓወት ተወሳኪ ዓወት ናይ ምምዝጋብ ባህል ስለዘለዎ እዩ፡፡

ኣብ ዝኾነ እዋን ፣ ካብ ዝኾነ ቦታ ትግራይና ንምትንኳይ፣ ዝግበር ሽርሒታት ከከምኣመፃፅኡ ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ተኽእሎ ዘሎዎም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወርቃዊ ጊዚኦም፣ ብምክንያት ስርዓት ሓይልታት ትምክሕቲ ህዝብና ንዘመናት ንሞት፣ ስደትን ስቃይ ዘሳጠሖ ሎሚ እውን ዘይተወገደ ድኽነት ታሪኽ ንምግባር ብኩሉ ዓቕሞም ምርብራብ እዩ፡፡ ብምኻኑ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ ልምዓት ዓቕምታት ኣዋዲድካ 10.6 ሚኢታዊ ማሕበረ‐ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ብምምዝጋብ ድኽነት ብኽልተ ሚኢታዊ ብምቅናስ፣ ብሓፋሽ መላእ ህዝብና ብፍላይ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተጠቃምቲ ንምግባር ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ክግበር እዩ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ኣብ 2011ዓ/ም ዝጀመሮ ኩሉ መዳያዊ ፃዕሪ ኣጠናኪሩ ብሙሁራን ዝተፀንዐ ሓዱሽ ናይ ወረዳታት ኣወዳድባ ህዝብና በብጀረጅኡ ምይይጥ ምስ ተገበረሉ ብዝምልከቶ ኣካላት ምስ ፀደቐን ተግባራዊ ንምግባር ርብርብ ክግበር እዩ፡፡

#ዝኸበርካ ሓረስታይ ትግራይ!!

ኣብ ፀረ- ድኽነት ቃልሲ ቐንዲ ሓይሊ ባዕልካ ምኻንኳ ተረዲእኻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝገበርካዮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ካብ 1980 ዓመታት 60 ምኢታዊ ዝነበረ መጠን ድኽነት ናብ 29 ምኢታዊ ክወርድ ኪኢሉ እዩ፡፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዘሎ መጠን ድኽነት ዓሚቅ ብምኻኑ ብደረጃ ስድራ ናይ ምግቢ ውሕስና ኣይተረጋገፀን፡፡ ስለዝኾነ ተፈጥሮ ሃፍቲ፣ ሃብቲ እንስሳ ፣ ስራሕቲ መስኖን ፣ ምርባሕ ዓሳን ኣዋዲድኻ ኣብ 2012 ዓ/ም ኣብ ምግባር ፀረ- ድኽነት ቃልሲ እጃምኻ ክተውፊ ይግባእ፡፡

ሓረስታይና ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2011/2012 ቅድመ ምድላው ዝገበርካዮ ምርብርብን፣ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይና ዘሎ ምዕሩይ ክረምቲ ዝራእትካ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ይርከብ፡፡ እንተኾነ ውፅኢት ፍረ-ፃማኻ ዝኾነ ናይ ኣዝመራ ምህርቲ ሓፊስካ ክሳብ ኣብ ቆፍኡ እተእትው ብዝተፈለየ ፃህያይን፣ ባልዕን ከይጉዳእ ግቡእ ክትትል ክትገብር ይግባእ፡፡ ምህርቲ ኣዝመራ ብግቡእ እንተድኣ ናብ ቆፍኡ ኣትዩ ብመስኖ ዝፈሪ ምህርቲ ሓዊስኻ፣ ኣብ 2011/2012 ዓ/ም ብጀረጃ ክልል ተተሊሙ ዘሎ ልዕሊ 25 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምሕፋስ ሽትኡ ከዕውት እዩ፡፡

ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል፣ ድሕሪ ምህርቲ ምሕፋስ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ እናሰፈሐ ዝመፅእ ዘሎ መባኸናይ ኣረኣእያ፣ ተቀላዓይነት እናዕበየ፣ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት እናቃለዐ ኣብ ክልልና ዘሎ ድኽነት ክውስኽ ድኹዒ ይኾኖ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ መርዓ፣ ተስካር፣ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ሃይማታዊን በዓላት ወዘተ ዝፈስስ ዘሎ ልዕሊ ዓቐን እኽሊ ማይ ዝንኽየሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ፡፡

ካብ መባኸናይ ኣረኣእያ ብተወሳኺ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ፣ ህዝብና ተቃሊሱ ዝወገዶም ዝተፈላለዩ ድሑራት ኣተሓሳስባታት፣ ጉዳእቲ ልምድታትን ኣብ ኩሉ ኹርንዓት ገጠራትን ከተማታትን ትግራይና ብግልፂ ይርኣዩ ኣለዎ፡፡ እዚኦም ጉዕዞ ህዳሰና ንድሕራት ዝመልሱ ስለዝኾኑ ግቡእ ቓልሲ ክግበረሎም ይግባእ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ፣ ሲቪል ማሕበራት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ነዞም ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣብ ዝግበር ቓልሲ እጃሞም ከውፍዩ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቅርብ ፡፡

ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓደ ኢድኻ ዕርፊ በቲ ካሊእ ድማ ቁሽትካ፣ ጣቢያኻን ወረዳኻን ካብ ናይ ደገን ውሽጢን ፀረ-ሰላም ሓይልታት ሓሊካ መንነት ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝብና ኣብ ምሕላዉ እጃምካ ኣወፊኻ ኢኻ፡፡ በዚ ምስጉን ስራሕትካ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዕጉበት ጥራሕ ከይኮነስ ብኣኻ ተሓቢኖም እዮም። ኣብ 2012 ዓ/ም እውን ናይ ኸባቢኻ፣ ሰላም ሓሊኻ ኣብ ኩለ መዳይ ንጥፈት ድርብ ዓወት ከም እተመዝገብ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡

#ዝኸበርኩም ነበርቲ ከተማን ስቪል ሰርቫንትን!!

ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይና ዝነበር ህዝብና ቆቋሕ ኮይኑ ከባቢኡ ስለዝሐለወ ሰላሙ ዉሕስ ብምግባር፣ ትግራይና ማእከል ስሕበት ኢቨስትመንትን ቱሪስትን ትኸውን ኣላ፡፡ ብምኻኑ ነባሪ ከተማታት ትግራይን ንዘመዝገቦ ዓወት መንግስቲ ትግራይ ናእድኡ እንተገልፅ ዝስምዖ ሓበን ዝለዓለ እዩ፡፡

እንተኾነ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላውን ኢኮኖሚያዊ ዝቅባበን ዝፈጥርዎ ብዘለዎ ፀገም ናይ ከተማ ህዝብና ሲቪል ስርቫንትን ናብራ ከቢድዎ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ነዚ ፀገም ተፃዊሩ መንነቱን ዘየድፍረ ናይ ከተማ ህዝብና ስቪል ሰርቫንትናን እቲ ሽግር ብሓባር ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፃዕርን ርብርብን ከም ወትሮ ኣብ ጉኒ መንግስቲ ትግራይ ኾይኑ እጃሙ ከምዘውፊ ኣየጠራጥርን ፡፡

#ዝኸበርክን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን መናእሰይ ትግራይን!!

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይና ኣብ ኩሎም ዓዉደ ግንባራት ተሰሊፍክንን ዘይተሓለለ ቃልሲ ገይርክን፣ ዓወት፣ ኣብ ርእሲ ዓወት ስለ ዘመዝገብክን ክትሕበና ይግባእ፡፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እውን ንኣስተዋፅኦኽን ዘለዎም ኽብሪ ዝለዓለ እዩ፡፡ እንተኾነ ክንዲ ኣበርክቶክን ዝግበኣክን ጥቕሚ ኣብ ምርካብ ዝተርፍ ነገር ኣሎ፡፡ስለ ዝኾነ ንዝበለፀ ተረባሕነት ሎሚ ውን ካብ ትማሊ ኣበርቲዕኽን ከምእትቃለስ ንኣምን፡፡ ኣብ 2012 ዓ/ም ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምቅናስ “ኣዶ ህይወት እናሃበት ህይወት ክትስእን የብላን”! ዝብል ሕድሪ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ተግባራዊ ንምግባር ናትክን እጃም ዝለዓለ ምኻኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ስነ ኣእምራዉን ኣካላዉን ጥቕዓታት ንምዉጋድ ዝለዓለ ርብርብ ክትገብራ መንግስቲ ትግራይ ፃዉዒቱ የቅርብ።

ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዘለኩም መናእሰይ ትግራይ ናይ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩም ሕድሪ ከየዕበርኩም ኣብ ዙሪያ ልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን ህዝባዊ መሰመር ዓሲልኹም ብኩሉ ኣገባብ ኣንፃር ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ሓይሊታት ትምክሕትን፣ ኣንፃር ኣብ ትግራይና ዘለዉ ባንዳታትን ዝገበርኩምሞ ዘይተሓለለ ቃልስን ዘመዝገብክምዎ ኩለመደያዊ ዓወትን ዝነኣድ ጥራሕ ኮይኮነስ፣ ብውሕድኩም ምስ ማእለያ ዘይብሉ በጀት ዝተሰለዐሎምን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተዓጢቆም ፃዕዳ ሓሶት ክነዝሑ ዝሓዱሩን ዝውዑሉን ፀረ ሰላም ሓይልታት መኪትኩም የሻል ስለዝበለኩምዎም ህዝብን መንግስቲ ትግራይ ብኣኹም ተሓቢኖም እዮም።

እንተኾነ ኣብ ገለገለ መናእሰይና ዝረኣዩ ሽግራት ስደት ከም መፍትሒ ፀገም ብምዉሳድን ስኣን ምፍላጥን ምርዳእን ኣደዳ ባሕሪ ዝኸውን ዘሎ ቁፅሩ ውሑድ ኣይኮነንን፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ብርክት ዝበሉ ፀጋታትን ሃፍቲታትን ከም ዘሎዎ ምሁራን ብመፅናዑቲ ኣረጋጊፆም። ሰለዝኾነ መንእስይና ብግቡእ እተተጠቂመምሉ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ ስራሕ ስእነት ብ10 ሚኢታዊ ንምንካይ ዝሓዞ መደብ ብምዕዋት መናእሰይ ትግራይ ተጠቀምቲ ምግባር ይካኣል እዩ፡፡

ስለዝኾነ ዘመዝገብክምዎ ዓወታት ዓቂብኩም ኣብ 2012 ዓ/ም እውን ፍልጠትን ምክንያታዊ ኣተሓሳስባን ጨቢጥኩም ኣብ ዝተወፈርኩምሉ ዓውደ ስራሕቲ ጠንኪርኩም ብምስራሕ ዝበለፀ ዓወት ክተመዝግቡ በርቲዑኹም ተቓለሱ፡፡

#ዝኸበርኩም ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ማሕበረሰብ ንግድን ትግራይና!!

ሰብ ሃፍትናን ማሕበረሰብ ንግድን ኣዮኺ ትግራይ፣ ኣለናልኺ ደቕኺ ኢልኩም ኣብ መዳይ ኢንቨስትመንት፣ ግብሪ ብእዋኑ ኣብ ምኽፋል ከምኡ እውን መንግስቲ ትግራይ ዝፀወዖ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ መደብ፣ ሰብ ዋና ኮይንኩም ኣብ ቐዳማይ መድረኽ ጥራሕ ልዕሊ ብር 665 ሚልዮን ንምዉፋይ ቃል ተኣትዮ ኣሎ፡፡ስለዝኾነ ቃል ናብ ተግባር ንምልዋጥ ቀትርን ለይትን ፅዒርኩምን ከም እተዕውትዎ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡

መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2012 ዓ/ም ምዕቋር ክልልና ካብ ኣጠቃላሊ ምህርትና /GDP/ 20 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ዝሓዘ መደብ ንምዕዋት ሰብ ሃፍትናን ማሕበረሰብ ንግድን ናይ ምዕቋር ባህልና ክዓብይ ክትረባረቡ ይግባእ ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና እትነብሩ ትግራዎት በብዕለቱ ንዝበፅሐኩም ስነ- ኣእምራዊ ፀቅጥታት መኪትኩም መንነትኩም ኣረኢኹም ኢኹም፡፡ ንትግራይና ኣብ ምሕጋዝ እውን እጃምኩም ኣወፊኹም ኢኹም፡፡ በዚይ ምንቅስቃስ ህዝብን መንግስቲ ትግራይ ዕግባት እዮም፡፡ ኣብ 2012 ዓ/ም እውን ኣበርቲዒኩም ከምትቅፅሉሉ እምነትና ዝለዓለ እዩ፡፡

#ዝኸበርኩም ምሁራንን ዲያስፖራ ትግራይን !!

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለኩም ሙሁራን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ለውጢ ስራሕ ተዋፊርኩም እጃምኩም ተወፍዩ ዘለኩም ሙሁራን ክሳብ ሕዚ ንዝገበርክምዎ ኣበርክቶ ዝናኣድ እዩ፡፡ እንተኮነ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዘይተወገኑ ገዛ ዕዮታት ኣለውና እዮም፡፡ ሰለዝኾነ ኣብ ክልልና ኣብ ኩሉ ብርኪታት፣ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይንኹም ምስ ኩሉኹም መዳርግቲ ኣካላት ተኣሳሲርኩም ክትሰርሑ ይግባእ ፡፡

ኣብ ወፃኢ ዘለኩም ዓለምለኻዊ ምሁራን ትግራይና፣ ኣብ 14 ዘፈራት ዝጀምርኩምዎ መፅናዕቲ፣ ኣብ 2012 ዓ/ም ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንምቕያር ልዕሊ ፃዕሪ ክትገብሩ ህዝብናን መንግስትኩም ብሃንቀውታ ይፀብይኩም ኣለዉ፡፡ ብሓፈሻ ዲያስፖራ ትግራይ ንሓይልታት ትምክሕቲ ምምካት ሓዊስካ ትገብርዎ ዘለኩም ኩለመዳያዉ ምንቅስቃስ ንምሕያል ተወዲብኩም ክትቃለሱ ንፅውዕ፡፡

ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ/ም 6ይ ሃገራዉን ክልላዊ መረፃ ሓዊስካ፣ 2ይ ትልሚ ዲሞክራታይሽንን ትራንስፎርመሽን ዝዛዘመሉ ዓመት እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኽልላት ሃገርና ከምኡ እውን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዘለካ ህዝብና ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዘርኣካዮ ስጡም ሓድነት ዓቂብካ፣ ኣብ 2012 ዓ/ም ድሕንነት ሃለዋትን ትግራይና ንምሕላዉ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ንምንጋስን ልምዓት ንምርግጋፅን፣ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ብሩሱን ወነ ንኣንፀባራቒ ዓወት ንምምዝጋብ ሓድነትና ኣስጣጢም ንክንረባረብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ ፡፡

ሓዱሽ ዓመት 2012 ዘመነ ሰላም፣ ቅሳነት፣ ራህዋ፣ ቃልስን ዓወትን ክኸነልና ድማ ይምነ፡፡

ክብርን ሞጎስን ንሰዉኣትና !

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ 6 ጳጉሜን /2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons