መግለፂ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ስረ ወለዲ ወያነ – ተዓጢቕናዮ ብወነ!!
————————————————————
ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዘሎ ህዝብና፣ እንኳዕ፣ 2 ጳጉሜን/2011 ዓ/ም፣ ንመበል ዝኽሪ 76 ዓመት ቐዳማይ ወያነ፣ ብሰላም ኣብፅሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እንተመሓላልፉ፣ ዝስምዖም ፍናን ሓበንን ዝለዓለ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሮም፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክገዝእዎ ንዝመፁ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት፣ ብቕልፅሙ ኣንበርኪኹ ስዕረቶም ክጉልበቡ ገይሩ፣ ደሚቕን መስተንከር ቅያን ዝስርሐ ህዝቢ እዩ፡፡ ካብዚኦም ከምኣብነት ንምጥቓስ ዝኣክል፣ ናይ ኣፍሪካ ጀነራል እናተብሃሉ ብዝፅውዑ፣ ጀግና ኣሉላ ኣባነጋ ዝምራሕ ሰራዊት፣ ኣብ 1888ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ወራሪ ጣልያን ዘመዝገቦ መስተንከራዊ ዓወት ዓለም ብዓለሙ ክሳብ ሎሚ ዘዘንትዎ ዘሎ ዘይሃስስ፣ ናይ ህዝብና ወርቃዊ ታሪኽ ጀግንነት እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ፀረ ባዕዳውያን ወረርቲ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ንኣርትዑት ጭቆናውን እንትኾነ ኣሜን ኢሉ ዝተቐበሉ መዋእል ኣይነበረን፡፡ ሎሚ‘ውን የለን፡፡ ንቅድሚት‘ውን ፈፂሙ ኣይህልውን፡፡ ብምዃኑ ኣብ መጀመሪያ መበል 20 ክፍለ ዘመን፣ ብሃፀይ ሃ/ስላሴ ዝምራሕ መስፍናዊ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሖ ብሄራዊ ዕብለላን፣ ማእለያ ዘየብሉ ሕሱም ጭቆናን ምዝመዛን፣ ካብ እንግድዑ ንምውራድ፣ ብ1935 ዓ.ም መቓለሲ ነጥብታት ኣውፂኡ ሓርነቱ ንምርግጋፅ ቀዳማይ ወያነ ወሊዑ፣ ኣብ ዝገበሮ መሪር ተጋድሎ፣ ንስርዓት ሃ/ስላሴ ነቀይነቀይ ኣቢልዎ ነይሩ እዩ፡፡ እንተኾነ ብሓገዝ መንግስቲ እንግሊዝ፣ ከምኡ እውን ሰኣን ስጡም መሪሕነት ጉዕዞ ቀደማይ ወያነ ንጊዝኡ እውን እንተኾነ ተደጉሉ ክፀንሕ ኩነታት ኣገዲዱ እዩ፡፡

ስረ-ወለዲ ቀዳማይ ወያነ፣ ህዝባዊ መስመርን ሳይንሳዊ ጥበብ ኣመራርሓን ዝተዓጠቐ፣ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋፅ፣ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ኣብ በረኻ ደደቢት ዝወልዖ ቃልሲ፣ ወያናይ ፕሮግራም ዓትዒቱን ህዝቢ ኣብቲ ቃልሲ ኣዕሲሉን፣ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ናይ 17 ዓመታት ተጋድሎ፣ ስርዓት ወታደራዊ ፋሽስታዊ ደርጊ፣ 20 ግንቦት 1983 ዓ.ም ሓመድ ድበ ክኽደን ገይሩ እዩ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፣ ብሓፈሻ ኣብዞም ዝሓለፉ 28 ዓመታት፣ ብፍላይ ኣብ ዝነበሩ 25 ዓመታት፣ በብዓመቱ ሸሞንተ ሚኢታዊ/8%/ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ብምምዝጋብ፣ ኩሉ በብደረጅኡ ተጠቓማይ ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ፡፡

እንተኾነ ከምቲ መራሒና ተጋዳላይ መለስ “ሎሚ እውን ደርጊ ኣሎ“ ዝበሎ፣ ብሓፈሻ ኣብዚኦም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ብፍላይ ካብ መወዳእታ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ብሓይልታት ትምክሕቲ ዝምርሑ ካብ ደገን ውሽጢ ዓድን ዝተኣኻኸቡ ፀረ-ሰላም፣ ፀረ-ህዝብን ፀረ-ዲሞክራሲን ሓይልታት፣ ናይ ደርግ ኣተሓሳስባ ሒዞም፣ ህዝቢ ትግራይ ማዕርነት ክረጋገፅን መንነቱ ክኽበርን ልዕሊ 60 ሺሕ ደቁ ናይ ሂወት መስዋእቲ፣ ልዕሊ 100 ሺሕ ድማ ኣካሎም ኣጉዲሎም ሕብረ ብሄራዊ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክህነፅ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ፣ ኺሒዶም፣ ህልውንኡ ንምጥፋእ ተረባሪቦም እዮም፡፡ ሎሚ እውን እንተኾነ እኩይ ተግባሮም ስልትታት እናቐያየሩ ይቅፅልሉ ኣለው፡፡

ኮይኑ ግና ምስጋና ንሓፋሽ ህዝብና፣ ብፍላይ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ፣ ስረ ቐዳማይ ወያነን፣ ህዝባዊ መስመርን፣ ተዓጢቁን ሕድሪ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣፅኒዑን፣ ሓይልታት ትምክሕቲ ካብ የማን-ፀጋም ዝፋሓሱዎ ሽርሒታት ክብርዕኑ ገይርዎም እዩ፡፡

እንተኾነ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ኣዕርዩ ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ ብሓፋሽ ኣብ ውሽጥን ወፃኢን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶና ሓድነቱ ኣስጢሙ፣ ንሓይልታት ትምክሕቲ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሮም፣ ብገንዘብ ተዓሲቦም፣ ብዝተፈላለዩ ከባቢያዊ ስምዒታትን ድሑራት ኣተሓሳስባታትን ኣለዓዒሎም፣ ሰላምናን ሓድነትናን ንምዝራግ ዝፈተኑ ባንዳታት እውን ርእሶም ኣድኒኖም፣ መልሓሶም ክሓኽዩ ገይርዎም እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ 2012 ዓ.ም ጉዳይ መረፃ ሓዊስኻ ዝተፈለየ ሃገራውን ክልላውን ጉዳያት ዝውገነሉ፣ መደባት፣ 2ይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ዝዘዘመሉ ሰለዝኾነ ስረ-ወለዲ ወያነ-ተዓጢቕና ብወነ ከም ወትሩ ሓድነትና ኣስጢምና ንዉሑስ ሰላም፣ ዘለቒ ልምዓትን ንክንረባረብ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርቡ፡፡

ቐዳማይ ወያነ ንዘልኣለም እናተዘከረ ክነብር እዩ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ 1 ጳጉሜን 2011ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons